Saturday, June 16, 2018

ናይ ኣቃቂ ቃሊቲ ተፋናቐልቲ መንግስቲ ንኽበፅሓሎም ሓቲቶም።



ካብ ሕጊ ወፃኢ መሬት ወሪሮም መንበሪ ገዛ ሰሪሖም ብዝብል ምክንያት ዝተፋናቀሉ ናይ ኣቃቂ ቃሊቲ ክፍለ ከተማ ነበርቲ፣ ንዝላዓለ ሽግር ምቅለዖም ብምግላፅ መንግስቲ ንኽበፅሓሎም ሓቲቶም።
  ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ወረዳ 4 ቀጠና 5 ብድሕሪ ክራውን ሆቴል ፉሉይ ስሙ ሰሪቲ መድሃኒኣለም ቤተ ክርስትያን ዝተፋናቀሉ 336 መራሕቲ ስድራ ብወከልቶም ኣቢሎም ንኣማሓዳሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከንቲባ ድሪባ ኩማ ኣብ ዝፃሓፍዎ ደብዳቤ ብዘይምንም ምክንያት መንበሪ ገዝኦም ብምፍራሱ ምስ ቤተሰቦም ንሓደጋ ከም ዝተቃልዑ ኣመልኪቶም።
  እቶም ተፋናቀልቲ ኣብ ዝፃሓፍዎ ደብዳቤ ሰነ ዕለት 27/ 2010 ዓ/ም ብዘይምንም መጠንቀቅታ እቲ ቦታ ንዝኾነ ጉዳይ ከይተደለየ ብግብረ ሓይሊ ንኽፈርስ ተገይሩ ክብሉ ተዛሪቦም። ብዘይንፈልጦ ጉዳይ ዘፍረናዮ ሃፍትን ንብረትን ዓንዩና፣ ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር እነልሞዖ ዝነበርና መሰረተ ልምዓት ፈሪሱና ንዝላዓለ ሽግር ተቓሊዕና ፣ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት መፀግዒ ስለ ዝሳኣና ላስቲክ ወጢርና ኣብቲ ቦታ ንነብር ኣለና ብምባል ተፈናቀልቲ ዝበፅሖም ማሕበራውን ኢኮኖሚያዊን ቀውሲ ነቶም ከንቲባ ኣብ ዝፃሓፍዎ ደብዳቤ ገሊፆም።
  እቶም ተፋናቀልቲ ነቶም ከንቲባ ኣብ ዝፃሓፍዎ ደብዳቤ "ከም ኢትዮጵያውነትና መፍትሒ ይዋሃበና ብስእነት መንበሪ ገዛ ንሓደጋ ምቅላዕና ተፈሊጡ ቦታና ይፅናዕ ወይ መንበሪ ገዛ ይዋሃበና" ክብሉ ሕቶ ኣቅሪቦም።



No comments:

Post a Comment