Saturday, June 16, 2018

ኣብ ዝሓለፉ ዉሑዳት መዓልትታት ኣብ ወረዳ ኣማሮ ዝተልዓለ ግጭት ሂወት ሰብ ምሕላፉ ተገሊፁ።



  ብናይ ወሰን ምኽላል ተተሓሒዙ ኣብ ሞንጎ ማሕበረሰብ ጉጅን ኮሬን   ዝተጀመረ  ግጭት ሓደ ዓመት ኣቑፂሩ ደማዊ ኮይኑ እናቐፀለ ይርከብ።
  እቲ ዝተልዓለ ግጭት ብወገን ኣማሮ ኣብ ቀበሌ ዶርባዴ ፉሉይ ስሙ በርበሬ ካብ ዝበሃል ከባቢ ሓደ ሓረስታይ እንትቖስል፣ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ 2 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እንትቖስሉ፣እቲ ሓደ ከቢድ ጉድኣት በፂሑዎ ኣብ ሕክምና ከም ዝርከብ ነበርቲ ተዛሪቦም።
  እቶም ወታደራት ድማ 3 ናይ ጉጂ ኦሮሞ ማሕበረሰብ እንትቐትሉ  ን 7 ድማ ኣቑሲሎም።እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ማለት ካብ ሓምለ 2009 ዓ/ም ጀሚሩ ብወገን ኮሬ 52 ሰባት እንትሞቱ ልዕሊ 100 ድማ ቆሲሎም እዮም።ካብ ቡሌ ሆራና ካብ ናይቲ ወረዳ ቆላ ዝኾና ጣብያታት ብፍላይ ካብ ዶርባዴን ጀሎን ዝተፈናቐሉ ልዕሊ 20 ሽሕ ዜጋታት ሓገዝ ብምስኣኖም ንዝኸፍአ ሽግር ተቓሊዖም ከምዝርከቡ ነበርቲ ይገልፁ።


No comments:

Post a Comment