Sunday, July 28, 2013

ስራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብቲ ስርዓት እምነት ስኢኑ ስለ ዘሎ እግሩ ናብ ዝመርሖ ይጠፍእ ከም ዘሎ ተገሊፁ።



ነዚ ዝገለፁ ነቲ ስርዓት ብምቁዋም።ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ናብ ኤርትራ ዝኸዱ 5 ወተሃደራት ኮይኖም ፤ንሶም ድማ፣-
ü ምኽትል ሓለቃ ሓምሳ ታደሰ ኣለባቸው።ካብ ስሜን እዚ ናይ 14 ክፍለ ሰራዊት 2ይ ረጂመትን፤ 2ይ ሓይሊ፤ካብ ብሄረ ኣምሓራ
ü ምክትል ሓለቃ ዓሰርተ ተገኘ ኪያ ካብ ስሜን እዚ፤6ይ ረጂመንት፤2ይ ሓይሊ፤3ይ ጋንታ፤3ይ መስርዕ ካብ ብሄረ ሲዳማ
ü ምኽትል ሓለቃ ዓሰርተ ደሴ ሞጎስ  ካብ ሰሜን እዚ ናይ 19 ክፍለ ሰራዊት፤3ይ ረጂመንት፤4ይ ሓይሊ፤1ይ ጋንታ ካብ ብሄረ ትግራይ
ü  ወተሃደር ሮሞዳን ጁኑብ ካብ ስሜን እዚ ናይ 14 ክፍለ ሰራዊት፤6ይ ረጂመንት፤4ይ ሓይሊ፤5ይ ጋንታ፤2ይ መስርዕ ካብ ብሄረ በርታ
ü ወተሃደር ዓብዱረዛቅ መሓመድ ካብ ስሜን እዚ  ናይ 21 ክፍለ ሰራዊት፤4ይ ረጂመንት፤3ይ ሓይሊ፤ 1ይ ጋንታ፤3ይ መስርዕ ኣባል ዝነበረ ካብ ብሄረ ኦሮሞ ኮይኖም።
ብፍላይ ካብ ክፍለ ሰራዊት 19 ዝመፀ ወተ/ር ደሴ ሞጎስ ከም ዝበሎ። እቲ ሰራዊት ኣብ መንግስቲ እምነት ስለ ዘይብሉ ኣብ ውሽጢ ምክልኻል ሰራዊት ሓድነት ከምዘየለን።ኣብ ርእሲ ድማ ምስ ዝተፈላለዩ ተቃወምቲ ውድባት ርክብ ኣለኩም እንተባህሉ። ዝተፈለለየ ግፍዕታት ስለ ዝበፅሖም።ከም ውፅኢቱ ድማ እቲ ሰራውቲ ሞያ ውትድርና ኣፅሊእዎ እግሩ ናብ ዝመርሖ ይበታተን ከም ዘሎ ገሊፁ።