Saturday, July 27, 2013

ገባራት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ነቲ ብግዲታ ዝወሰድዎ መዳበርያ ብሰንኪ ሕፅረት ዝናብ ክጥቀሙሉ ስለ ዘይካኣሉ መንግስቲ ክቕበሎም ጥርዓኖምም ኣብ ምቕራብ ከም ዝርከቡ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እቶም ኣብ ዞባ ምዕራብ ዝርከቡ ገባራት ብሰንኪ ሕፅረት ዝናብ ሕርሻዊ ስራሕቶም ከሳልጡ ሰለ ዘይከኣሉ ነቲ መንግስቲ ኣገዲዱ ብክባር ዋጋ ዝሸጠሎም መዳበርያ ድማ ኣብ ጥቕሚ ብዘይምዉዓሉ ንኽሳራ ስለ ዝተቓልዑ መንግስቲ ንኽቕበሎም ዘቕረበዎ ሕቶ ኣመሓደርቲ ኣይንቕበል ኢሎም ስለ ዝኣበይዎም መካይኖም ደው ኣቢሎም ኣብ ክርክር  ይውዕሉ ምህላዎም ገሊፁ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ካብ ዝተፈላላዩ ከባቢታት ሃገርና  ንስራሕ    ናብ ዞባ ምዕራብ ዝከዱ  ብኣሻሓት ዝቑፀሩ መዓልታዊ ሸቃሉ እንተኾኑ’ውን  ብሰንኪ ሕፅረት ስራሕ ኣብ ሰንፈለል ይውዕሉ ከም ዘለዉን ንገዝኦም ከይምለሱ ድማ ንመጓዓዛያ ዝኸውን ገንዘብ ከም ዝስኣኑ ተገሊፁ።
 እዚ ከምዚ እሉ እንከሎ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ነበርቲ ከተማ ሸራሮ ብሰንኪ ስእነት ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ኮይኖም ብሰንኩ ከዓ ንሓንቲ ጀሪካን ብ3 ብር ሒሳብ ክገዝኡ ይግደዱ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ንመግዝኢ ዓቅሚ ዝሰኣነ ድማ ፅሬቱ ካብ ዘይሓለወ ጎዳጉዲ ማይ ሰለ ዝጥቀሙ ግዳይ ማይ ወለድ ሕማም ይኾኑ ከም ዘለዉ  ተፈሊጡ።
  ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ ብሰንኪ እቲ ስእነት ፅሩ ማይ ከም ሆቴላትን ኣብያተ ምግብን ዝኣምሰሉ ዋሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት ዝውንኑ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ እታ ከተማ  ስራሕ ኣቃሪፆም ስለ ዝርከቡ ንኸቢድ ክሳራ ምቅልዖም ኣረዲኡ።