Saturday, July 27, 2013

ኣብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሊክትሪክ ይቆራረፅ ሰለ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዉን ፀገም ምውዳቑ ተሓቢሩ።

ብመሰረት’ ቲ ሓበሬታ ናይ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሊክትሪክ ኮርፖሮሽን እቲ ሓይሊ ኣብ ሙሉእ ሃገር ብፈረቓ ክባፃሕ ብሚስጢር ተተሓሒዙ ይስራሓሉ ዘሎ ኮይኑ፤ ብፍላይ ድማ ኣብታ ርእሰ ከተማ ሃገርና ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ካብ ወርሒ ሰነ  2005 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ገለ ከባቢታት  ብተኸታታሊ  ክሳብ ሰለስተ መዓልቲ  መብራህቲ  ሰለ ዝቛረፅ ነበርቲ  ንፀገም ምቅልዖም ገሊፁ።
      እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እቲ ምቑርራፅ ሓይሊ መብራሕቲ ምስ  ቴክኒክ ዝተተሓዘ ብምባል እቲ ቤት ፅሕፈት ክሽፍኖ ይፍትን’ኳ እንተሎ። እቲ ሓቂ ግና ኤሌክትሪክ ብሃገር ደረጃ ኣድላይነቱ እናዓዘዘ ኣብ ዝከደሉ እዋን  እቲ ዘሎ ቀረብ ተመጣጣኒ  ዘይምኳኑ ድሕሪ ምግላፅ እቲ ኮርፐሬሽን ናይቲ ኣቕርቦት ሓይሊ ብፈረቓ ክኸውን ብሚስጢር ምትሓዙ ህዝቢ ኣብ ፀገም እናሃለወ ንጎረባብቲ ሃገራት ንመሸጣ ሰለ ዝቐርብ ንምሽፋን ምዃኑ ፈለጢቲ ውሽጢ ናይቲ ጉዳይ ሓቢሮም።
ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ ብሕፅረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ  ህዝብና ዕለታዊ ስራሕቱ ንምስላጥ ይኹን ትካላት ንግዲ ንምንቅስቓስ እናተፀገመ መራሕቲ ወያነ ኢህወዴግ ግና ኣብ ሃገር ዉሽጢ ዘሎ ፀገም እንከይፈትሑ ንሃገረ ጁቡቲ ካብ 35 ክሳብ 40 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሊክትሪክ እናሸጡ  ኣብ ወርሒ ልዕሊ 2 ነጥቢ 1 ሚልዮን ዶላር ናብ ውልቃዊ ካዝናኦም ይኽዝኑ ምህላዎም ገሊፁ።