Saturday, July 27, 2013

ሰራሕተኛታት መንግስቲ ሃገርና ብሽም ንህዳሰ ግድብ ንካልኣይ ዙር ዝኸፈል መዋጮ ንኸዋፅኡ ፈቓደኛታት ዘይምዃኖም ገሊፆም።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንግድብ ኣባይ ዝውዕል ኣብ’ዚ ዝጠናቐቕ ዘሎ ዓመተ 2005 ዓ/ም ናይ ወርሒ መሓይኦም  ኣብ ዓመት ከፊሎም ዘጠናቐቑ እንትኾኑ፤  ናይዚ ዝቕፅል ዓመት 2006 ዓ/ም  ክፍሊት ግን ምስ ክብሪ መነባብሮ ብዝተተሓሓዘ ንምኽፋል ድልዋት ከም ዘይኮኑ ገሊፆም።
       መንግስቲ ወያነ ኢህወዴግ እቲ ናይ ካልኣይ  ዙር ክፍሊት ካብ ወርሒ ሓምለ 2005 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ሰራሕተኛታት መሃያ ገንዘብ ንምቑራፅ ሓሲቡ’ኳ እንተነበረ፤ ኣብ መብዛሕተኦም ቢሮታት ክልል ዝርከቡ ልዕሊ ፍርቂ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እቲ ተዋሂብና ዝነበረ ቦንድ ይመለስ፤ 10% ጥራሕ ይቖረፅ፤ በሊዕና ክንሓድር ስለ ዘይከኣልና ንዝቕፅል ዓመት ይመሓላለፍ ዝብሉ  ጥርዓናት፤  ናብ ፍትሒ ቢሮን ናብ ማሕበራዊ ፍትሕን  ብመልክዕ  ደብዳበ ኣቕሪቦም ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብወገኖም ናይ ደቅና መሰረታዊ ድልየታት ክነማልእ ብዘይምኽኣልና ከምኡውን ንቤት ትምህርቲ መምሃሪ ዝውዕል ማተርያላትን ክፍሊት ክንከፍልን ዓቕሚ ስለ ዝሓፀረና ንውድብ ብአዴን እናተብሃለ ክነዋፀኦ ዝፀናሕና ገንዘብ ደው ይበለልና ክብሉ ዘቕረብዎ ጥርዓን ብሰበስልጣን እቲ ክልል ዝተወሃቦም ምላሽ  ዘይተፀገመ ስለ ዘየለ ፀገምኩም ተፃዊርኩም ንክቑረፅ ፍቓደኛታት ኩኑ እናበሉ የገድድዎም ከም ዘለዉ ካብቲ ቦታ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።