Saturday, July 27, 2013

ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ነበርቲ ሞርሲን ቦዲን ፆታዊ ዓመፅ የካይዱ ከም ዘለዉ ሓደ ትካል ምርምር ኣፍሊጡ።



ኦክላንድ ኢንስቲቲዩት ዝተባሃለ ትካል ኣብ ዘዉፅኦ መግለፂ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ሩባ ኦሞ ከባብታት ሞርሲን ቦዲን ዝርከቡ ነበርቲ ንመፍራይ ምህርቲ ቃንጫ ሽኮር ተደልዩ ኣሎ ብዝብል ብሓይሊ ካብ መንበሪ ገዝኦም ክለቁ ምስ ምግባር ተኣሳሲሩ ኣብ ልዕልኦም ዝለዓለ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ይፍፀም ከምዘሎን  ነቲ ተግባር ብመንግስታት ኣሜርካን እንግዝሊዝን ኣፍልጦን ሓገዝን እናተገበረሉን ምፅራይ እናተኻየደ ምዃኑ ገሊፁ።

ትካል ምርምር ኦክላንድ ሓገዝቲ ልምዓት ኢና በሃልቲ ሃገራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ብቐንዱ ሰብኣዊ መሰል እናጠሓሰ ጎኒ ንጎኒ የካይዶ ኣለኹ ንዝብሎ ልምዓት ምድጋፎም ኣተሓሳሳቢ እዩ ምስ በለ፤ ሓደ መራሒ ስድራ ሞርሲ መንግስቲ ዘዋፈሮም ወተሃደራት ኣንስቲ ቦዲ ወሲዶም ተጋሲሶም ምስ ኣፋነዉወን ኣንስትና ፆታዊ ዓመፅ ይፍፀመን ኣሎ ኢሎም ንትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ከም ዝሓበሩ ጭቡጥ መርትዖ ከም ዘለዎ ኣረዲኡ።

ትካል ልምዓት ተራድኦ እንግሊዝ ብግድኡ ሰብኣዊ መሰላት ንዝጥሕስ መንግስቲ ኢህወዴግ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ከይግበረሉ ዘፍለጠ እንትኸዉን፤ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ በብዓመቱ ካብ ገበርቲ ሰናይ ሃገራት ካብ 50-60 ቢልዮን ብር ዝበፅሕ ካብ ሓገዝ ኣታዊ ክረክብ ዝፀነሐ እንትኾን። ሕዚ ግና ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዘካይድዎ ዘለዉ ድፊኢት ኣብ ኣተሓሳሳቢ ብርኪ ወዲቑ ከም ዝርከብ ኣገንዚቡ።