ኣብ ዞባ
ደቡብ ትግራይ ወረዳ ኣላጀ ንዝርከቡ ብዕድመ ምድፋእ ዓዲ ዝወዓሉ ኣረጋዉያንን ብዝተፈላለዩ ሕማማትን ኣካላዊ ጉድኣትን ሰርሖም
መነባብርኦም ክመርሑ ዘይኽእሉ ኣካላት ሕብረሰብ ሓገዝ ክዉዕል ተባሂሉ ካብ ገበርቲ ሰናይ ዝተረኸበ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ኲናትል
ዝቑፀር እኽሊ። ኣመሓደቲ ናይቲ ወረዳ ተረኪቦም ንግዳያት ኣብ ክንዲ ምብፃሕ፤ ብኣቋራጭ ሃፍቲ ንምድላብ ኣብቲ ከባቢ ናብ
ዝርከብ “ኡሁዳ” ዝተበሃለ ሕሩጭ ፋብሪካ ሸይጦም ከም ዝበልዕዎ ካብቲ ቦታ ዝመፃና ሓበሬታ ገሊፁ።
ብኻሊእ ወገን ኣመሓደቲ ከተማ ወልድያ መነበሪ ገዛ ድኻታት
እናመንጠሉ ንሰብ ሃፍቲ ብምሻጥ ዘይግበኦም ረብሓታት ኣብ ምጉሓል ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ከንቲባ ከተማ ወልድያ ዝኾነ ኣቶ
ፃሃየ መንገሻ ኣብ’ታ ከተማ ንዓመታት ክነብሩ ዝፀንሑ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ስድራቤታት ካብ መንበሪ ገዝኦም ብምብራር ብላዕ
ንዝሃቦም በዓል ሃፍቲ ብ2 ነሓሰ 2005 ዓ.ም ዝሸጠሎም እንትኾን፤ ካብቶም ካብ መንበሪ ገዝኦም ተባሪሮም ኣብ በረኻ
ተደርብዮም ዘለዉ መራሕቲ ስድራ ኣይተ ታፈሰ ኣድሓኖም ከም ዝርከብዎምን ገዝኦም ተሰርሕሉ ዝነብረ መሬት ንኣይተ ሃፍታሙ ከበደ
ንዝተበሃለ በዓል ፀጋ ሃፍቲ ከም ዝተሸጠ እቲ ሓበሬታ የረድእ።