ንግዳያት
መሰረት ብምግባር ካብ ዉሽጢ እቲ ሆስፒታል ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፤ ብሕማም ካንሰር ተታሕዞም ሕክምናዊ ሓገዝ
ክግበረሎም ናብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ዝኸዱ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ሰባት ሕክናዊ ሓገዝ ከም ዘይረኽቡ ምስ ገለፀ፤ ብኣንፃሩ
ሰበ ስልጣንን ቤተ ሰቦምን ሰብ ፀጋ ሃፍትን ብዘይ ዝኾነ ምትእጉጓል ኣብ ዉሽጢ ሰዓታት ዘድልዮም ሕክምና ክረኽቡ ምዕዛብ ልሙድ
መዓልታዊ ተግባር ኮይኑ ከም ዘሎ ኣገንዚቡ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ። ብሕማም ካንሰር ተጠቒዖም ሰኣን ግቡእ ሕክምና
ንሓደጋ ሞት ዝቃልዑ ዘለዉ ዜጋታት ቁፅሮም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዛየደ ይኸይድ ኣሎ ምስ በለ፤ ናብቲ ሆስፒታል ንልዕሊ 6 ኣዋርሕ
ብቖፀሮ ተመላሊሶም ክሳብ ሕዚ ካብ ዘይሰለጦም፣-
1.ኣይተ ቴድሮስ ኣማን
2. ወ/ሮ ምሕረት መረስዕ ዝተበሃሉ ግዳያት ኩሉ ኣካይዳ ናይቲ ሆስፒታል
ብግቦን ወገንነትን ክስራሕ ምዕዛቦም
ኣዚዮም ከም ዝሓዘኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።