እቶም ብ3 ነሓሰ 2005
ዓ/ም ንህዝቢ እታ ከተማ ወዲቦም ሰለማዊ ሰልፊ ዝገበሩ ተጋደልቲ ነበር ህወሓት ምኽንያት ሰልፊ መውፂኢኦም እንትገልፁ፤ “ንሕና
ነባራት ተጋደልትን ፖሊሳትን ኮይንና ኣብ ሕሉፍ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ሰንኪልና፤ ደሚናን ተሰዊእናን ዘምፀእናዮ ስርዓት፤
ሎሚ ብዘይ ዝኾነ ዓስቢ ዝተጓሓፍናዮ ከይኣክል፤ ሕዚ ድማ ብክንደይ ርሂፅና ዝሰራሕናዮ ገዛውትና ብዘይካሕሳን ተለዋጢ መሬትን ክፍርስ
ምጅማሩ ዘሐፍር ተግባር እዩ” ብምባል ተቖጥዖም ክውፁ ከም ዝተገደዱ ኣፍሊጦም።
ኣብ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብርክት ዝበለ ህዝቢ እቲ ከባቢ ዝተሳተፈ
እንትኾን፤ ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ ዝኾነ ኣብ ህዝቢ ምንም ተገዳስነት
ዘይብሉ ኣይተ ተስፋይ ብርሃነ ዝተባሃለ ዕሱብ እቲ ስርዓት፤ “ሕቶኹም ሎሚ ይኹን ፅባሕ ኣይንቕበለኩምን ኣይንሰምዐኩምን” ክብል
ብንዕቐት ከም ዝሰመለሰሎምን ካብ’ዚ ሓሊፉ ድማ ብምፍርራሕ “እንሰምዖ ዝኾነ ይኹን ጥርዓን የለን። ዓሪፍኩም ዝተባሃልክሞ
እናፈፀምኩም ትነብሩ ብምባል ከም ዘጉባዕበዐሎም ካብ’ታ ከተማ
ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።