Thursday, August 15, 2013

መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት እስልምና ጣልቃ የእቱ’ሎ ዝብል ፓምፕሌት ብ2 ነሓሰ 2005 ዓ/ም ኣብ ከተማ ሽረ ከም ዝተበተነ ካብታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።




ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እቲ ኣብ  ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከተማ ሽረ ዝተበተነ ፓምፕሌት “መንግስቲ ኣብ ምሕደራ መሳጊድ  ኢዱ ጣልቃ ምእታዉ ዘይሓለፍነታዊ ተግባራት ይፍፅም ኣሎ፤ ንሕና ኣመንቲ እስልምና ካብ ስርዓት ወያነ ተጠቀምቲ መሰልናን ተሳተፍቲ ስልጣንን ኣይኮናን፤ ካብ ወረዳ ክሳብ ክልል ተቐሚጦም ዘለዉ ኣመሓደርቲ ንዓና ዝውክሉ ኣይኮኑን” ብምባል በቲ ስርዓት ዝበፅሖም ዘሎ ኣድልዎን  ግፍዕታትን ዘንፃባርቕ ፅሑፍ ምንባሩ ተፈሊጡ።

     ወሲኹ እቲ ሓበሬታ እቲ ብ2 ነሓሰ 2005 ዓ/ም ዝተበተነ ፓምፕሌት ከም ዘመላኸቶ ንሕና እስላም ኣብ ዝሓለፈ ቃልሲ ዋላ’ኳ እጃምና ኣበርኪትና፤ ተሰዊእናሉን ሰንኪልናን እንተኾንና፤ ሕገ መንግስታዊ መሰልና ኣይተሓለወን ደቅና ተማሂሮም ስራሕ ክረኽቡ ኣይከኣሉን ንዝብሉ ሓሳባት ዘፀባርቕ ትሕዝቶ ዝሓዘ ምንባሩ ኩሉ ነባራይ ከተማ ሽረ ብፍላይ ድማ ኣማኒ እስልና ከም ዝተቐበሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።