Tuesday, September 24, 2013

ኣብ ምዕራብ ጎጃም ብሽም ሃይማኖት ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ተቓዉሞ ሰልፊ ኣብ ምልዕዓል ትነጥፉ ኣለኹም ዝብል ሰበብ ሰባት ተኣሲሮም ከምዘለው ካብ ከተማ ፍኖተ-ሰላም ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ኣብ ዝርከባ ምምሕዳር ከባቢታት ማንኩሽ፤ ፍኖተ-ሰላምን ጅጋንን 3 ኣመንቲ ክርስትና 32 ኣመነቲ እስልምና ብጠቕላላ 35 ዜጋታትና ንሃይማኖት እስልምና ከም ምኽንያት ተጠቕምኩም ህዝቢ ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ተቓዉሞ ሰልፊ ንኸካይድ ክተለዓዕሉ ፀኒሑም ብዝብል ምኽንያት ብ11 መስከረም 2006 ዓ/ም ፖሊስ ከም ዝኣሰሮም ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እቶም ኣብ ከተማ ፍኖተ-ሰላም ተኣሲሮም ዝርከቡ ወገናት ዉልቃዊ ስራሕቶም ካብ ምስላጥ ሓሊፎም ዝኾነ ፖለቲካዉን ሃይማኖታዉን ምንቅስቓስ ከም ዘይነበሮም ዝተጠቐሰ እቲ ሓበሬታ። ይኹን’ምበር ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ካድረታት ስርዓት ወያነ ካብ ዉልቃዊ ፅልኦምን ረብሕኦምን ተበጊሶም ብዘመሓላልፎ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ፀብፃብ ብምቕራብ ክእሰሩ ከም ዝገበርዎም ገለ ወገናት ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ኣመራርሓ ኣካላት ፀጥታ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ብዝተፈላለየ መልክዑ ህዝባዊ ናዕቢ ከይለዓል ኣብ ዓብዪ ወጥሪ ዝርከቡ ኮይኖም። ኣብዚ እዋን ብዛዕባ ተቓዉሞ ዘለዓዕሉ ሰባት ሓበሬታ እንተረኽቦም ብዘይ ዝኾነ ምፅራይ እናሓፈሱ ኣብ ምእሳር ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣