ኣብ ከባቢታት ከተማ መቐለ ዝርከቡ ብናይ መስኖ ሕርሻ ዝመሓደሩ
ሓረስቶት ኣብ ዝመፅእ ወቕቲ ኣብ ስራሕቲ መስኖ ተዋፊሮም ከልምዑ እንተኾይኖም። መጀመርያ መንግስቲ ካብ ዘዳለዎ መዳበሪያ
ክወስዱ ከም ዘለዎም። ነዙይ ተቐቢለ ኣይትግብር ዝበለ እንተሎ ድማ መሬቱ ብምምሕዳር ተመንጢሉ ንካልእ ክዕደል እዩ እናበሉ ኣብ
ምፍርራሕ ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ፣
ሓረስቶት ዋጋ መዳበሪያ ልዕሊ መጠን ኮይኑ ብምህላዉ። መዳበርያ
ተጠቕሞም ዝዘርእዎ ዝራእቲ ብጀካ ኮንቱ ድኻምን ሃልክን ዋግኡ ካብ ምኽፋል ሓሊፉ እዙይ ዝበሃል ትርፊ ይረኽብሉ ብዘይምህላዎም።
ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዮም ከም ቀደሞም ናይ ሕርሻ መሬቶም
ብዘይመዳበሪያ ክዘርእዎ ኣብ ዝመርፅሉ ዘለዉ ግዜ። ቅኑዕ ሓሳቦም ሰማዒ እዝኒ ስኢኑ ንሓደ ኲንታል መዳበሪያ ብሒሳብ 1500
ብር ክዕድጉ ብኮራኹር ስርዓት ወያነ ተገዲዶም ክኣትዎ ይግበር ከም ዘሎ ንግዳያት መሰረት ጌሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣