ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ኣብ ዉሽጢ ምክልኻል ሰራዊት
ዝረአ ዘሎ ብሄራዊ ኣስተዋፅኦ። ብሄረ ትግርኛ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣዚዩ ተመናሚኑ ስለ ዘሎ። እዙይ ድማ ብዘይ ወዓል ሕደር
ክስተኻኸል ኣለዎ ብዝበልዎ መሰረት። ብበዝሒ መንእሰይ ንምምልማል ካብቲ ዝፀንሐ ፍሉይ መመልመሊ መስርሕ ተኣታትዩ ከም ዘሎ
ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ኣመራርሓ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ንምክልኻል ሰራዊት ኣመልኪቶም
ኣብ ዘካየድዎ ርክብ። ትግራዋይ ንምንታይ ኣብ ዉትህድርና ቁፅሩ ኣቆልቊሉ ዝብል ብሰፊሑ ዝተዘተየሉ ኮይኑ። መዉሓዲኡ ምኽንያት
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣብ ዝተኻየዱ ምልመላታት ምስ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ዝመጣጠን ዝተፈላለዩ ሞያዊ ስራሕን ዕድል ትምህርቲ
ኮሎጅን ከም ዝረኽቡ ዝተኣተወሎም ቃል ኣብ ባይታ ስለ ዘይረኸብዎ። ብሰንኩ ብርክት ዝበሉ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዳ ተቓወምቲ
ዉድባት እንትፅበሩ ገሊኦም ከዓ እግሮም ናብ ዝመርሖም ጠፊኦም ኣብ ዝብል ከም ዝተረዳድኡ ተፈሊጡ፣
ነቲ ኣጋጢሙ ዝበልዎ ክፍተት ንምሽፋን ከዓ ከምቲ ንድሑራት
ከባቢታት ማለት ንውሑዳት ኣባላት ብሄረሰብ ብፍሉይ ዝወሃብ ኣመላምላ። ኣብ ክልል ትግራይ’ዉን ካብቲ ዝፀንሐ መመዘኒ ኣዚዩ
ወሪዱ። ዝኾነ ንዉትህድርና ዝምልመል ትግራዋይ ደረጃ ትምህርቱ
ካብ 7ይ ክፍሊ ንላዕሊ ንምምልማል ከም ሓደ ዓብዪ መደብ ተታሒዙ ንተግባራዉነቱ ካድረታት ክልል ትግርይን ኣዘዝቲ ሰራዊትን
ፀደፍደፍ ኣብ ምባል ከም ዝርከቡ ካብ ዉሽጢ ምሕደራ እቲ ስርዓት ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣