Sunday, September 22, 2013

ምሩቛት ዩኒቨርሲቲ ተማሃሮ ንዕኦም ዝምጥን ስራሕ ብዘይምርካቦም ዝወለዶ ጭንቂ ህይወቶም ዘጥፍኡ ወገናት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።



ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ምሩቛት ዩኒቨርስቲ ኮይኖም ስራሕ ካብ ዘይረኸቡ ተማሃሮ ሓደ ኣዱኛ የማነ ኮይኑ፤ ንሱ ካብ ዩኒቨርሲቲ ብልዕሉ ነጥቢ ዝተመረቐ እኳ እንተኾነ፤ ኣብ ዝወፁ ምልክታ ስራሕ መንግስቲ ብተደጋጋሚ ዉፅኢት ትምህርቱ ሒዙ ኣብ ዝተመዝገበሉ፤ ቆፀርቲ ኣካላት ነቲ ዘለዎ ልዕሉ ዉፅኢት ንጎኒ ገዲፎም፣ ትሑት ዉፅኢት ንዘለዎም ኣባላት ህወሓትን ቤተሰቦምን ንዝኾኑ እናቖፀሩ ብዘይ ስራሕ ክተርፍ ስለ ዝገብርዎ ህይወቱ ባዕሉ ከጥፍእ ከም ዝተገደደ ናይ ቀረባ ኣዕርኽቱን ቤተሰቡን ንምንጭታትና ኣረዲኦም።
ተማሃራይ ኣዱኛ የማነ ንዓመታት ለፊዑ ተማሂሩ ካብ ዩኒቨርሲቲ ብዝለዓለ ነጥቢ ተመሪቑ ከብቅዕ፤ ብግዕዙይ ምሕደራ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ንነብሱ ዘመሓድረሉ ስራሕ ስኢኑ ዳግማይ ሸኽሚ ቤተሰቡ ኮይኑ ክነብር ስለ ዘይተወሓጠሉ፤ ብ9 መስከረም 2006 ዓ.ም ባዕሉ ተሓኒቑ ህይወቱ ከጥፍእ ምኽንያት ከም ዝኾነ  እቶም ኣዕርኽቱን ቤተሰቡን ወሲኾም ገሊፆም።
                               
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ወልድያ ዉሕስነት ዘለዎ ፀጥታ ብዘይምህላዉ፤ ሓንቲ ብርክት ዝበለ ንብረትን ሽቕጣትን ፅዒና ትጓዕዝ ዝነበረት ኣይሱዚ(ISUZI) ዝዓይነታ መኪና፤ ብ5 መስከረም 2005 ዓ.ም መንነቶም ብዘይተፈለጡ ዕጡቛት ከም ዝተኸተረት ካብቲ ቦታ ዝበፀሕና ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ዜናና ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ቦታ ለማልሞ ዝርከብ ፅርግያ ብዓብይቲ እምኒ ሙሉእ ንሙልእ ተዓፅዩ፤ ካብን ናብን ዝጎዓዓዛ መካይን መሕለፊ ስኢነን፤ ንሓደ መዓልቲ ዝኣክል ጠጠዉ ብምባለን፤ ብዙሕ ስራሕቲ ተሰናኹሉ ከም ዝወዓለ ኣመሓላልፍና ምንባርና ይፍለጥ።