ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ
ሰራሕተኛታት ማሕበራት ህንፃ ኮንትራክሽን ብተኸታታሊ ኣኼባ ክካየደሎም ከም ዝቐነየ ድሕሪ ምግላፅ፤ እቶም ኣባላት
ቅድሚ ዓመትን ሽድሽተ ወርሒን ኣትሒዞም ከልዕልዎ ዝፀንሑ
ሕቶ ክሳብ ሕዚ ክምለሰሎም ብዘይ ምኽኣሉ፤ ንስኻትኩም ንሃታትኩም
ደገፍትን ኣገልገልትን ክንከዉን’ምበር፣ ብዛዕባና ትግደሱ ኣይኮንኩም ብምባል ነቲ ቅንዕና ዝጎደሎ ኣሰራርሓ መራሕቲ ወያነ ከም
ዝተቓወምዎ ኣረዲኡ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ እቶም ተኣከብቲ ኣባላት “ኣመሓደርቲ ዘይትግበር መብፅዓ እናኣተኹም ክትዕሽዉና፤ብእንግዳዕና
ኣብ ስልጣን ንምቕፃልን ገንዘብ ኣዋፅኡ እናበልኩም ወልቃዊ መነባብረኹም ንምጥጣሕን ኢኹም ኣኪብኩምና ዘለኹም ብዝብል ቁጠዐ
ድሕሪ ደጊም ኣይንዕሾን ብምባል” ሻምበል ብርሃነ ዝተበሃለ ብህዝቢ ተፈላጥነት ዘለዎ ዝርከቦም ኣስታት 120 ኣባላት ነቲ ኣኼባ
ብምቅዋም ረጊፆሞ ምውፅኦም ተፈሊጡ።
ካብ ወረዳ ከተማ ሸራሮ ከይወፃእና ኣኽፈልቲ ግብሪ ከተማ ሸራሮ ብኣድልዎን ግበረለይ
ክገብረልካን ይሰርሑ ብምህላዎም፤ ገንዘብ መኽፈሊ ዓቕሚ ዝሰኣኑ ትካሎም ጠቕሊሎም ዝዓፅዉን ንስደት ዘምርሑን ወገናት ቁፅሮም
ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዉስኽ ምህላዉን ካብቶም ልዕሊ ዓቕሞም ክፈሉ ካብ ዝተባሃሉ ነጋዶ ከተማ ሸራሮ ሓደ ኣይተ ፍስሃየ ዝተበሃለ ወናኒ ንእሽቶ እንዳ ባር 20 ሽሕ ብር ክፈል ዝተወሰነሉ ኮይኑ፤ ንሱ ብጠቕላላ ዘለዎ ትሕዝቶ ተሸይጡ 20 ሽሕ ዘይበፅሕ እናሃለወ
20 ሽሕ ግብሪ ክፈል ምባሎም፣ መርኣያ ዘይፍትሓዊ ኣከፋፍላ ግብሪ እቲ ስርዓት ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።