Monday, October 28, 2013

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከቡ ተጋደልቲ ህወሓት ነበር ኣንፃር ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ተቓውሞ ከም ዘስምዑ ካብ’ታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣




ብመሰረት‘ቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ   ከተማ ሽረ ዝርከቡ ተጋደልቲ ህወሓት ነበር  ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ተቓዉሞ ኣብ ዘስምዑ ግዜ ካብ ዘበገስዎም ሓሳባት  “ንሕና ዝተቓለስናሉ ህዝባዊ ዕላማ ንጎኒ ጎሲኹም ወልቃዊ ረብሓታትኩም ብምቕዳም ሃገርን ህዝብን ትብድሉ ኣለኹም ሰበ ስልጣን ደርጊ ኣብ ዕዳጋ ሰብ ይርሽኑን ኔሮም፣
 ንስኹም  መራሕቲ ኢህወዴግ ድማ ብስዉር ሰለማዊ ሰብ ጨዊኹም ትቅትሉን ተጥፍኡን  ገዛውቲ ተፍሩሱን ህዝቢ ትብድሉን ስለዚ ህዝቢ ተቓልሱን መስዋእቲ ከፍሉን ጨቆንቱ ኣሚፂኡ እንበር ካባኹም ዝተረብሕናሉ የለን” ብምባል ኣብቲ ስርዓት ዘለዎም  ፅልኣት ምግላፆም ምንጭታትና ሓቢሮም፣
ኣመሓደርትን ካድረታትን ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ እቲ ዞባ ተቓወምቲ ሰሊኾም ይኣትዉና ኣለዉ ኢሎም ህዝቢ ንምጉስጓስ ኣብቲ መድረኽ ተረኽቦም ዘረባ ምስ ጀመሩ፣
እቶም ተኣከብቲ ተጋደልቲ ነበር ህወሓት ግና ብኣንፃሩ ተዳልዮም ፀኒሖም በቲ ስርዓት ዝፍፀሙ ዘለዉ ጥልመት ዝወለዶ ዘይሓላፍነታዊ ግፍዕታት  ዘርዚሮም ምስ ኣቕረቡሎም ርእሶም ኣድኒኖም እቲ ዝሓሰብዎ ኣኼባ ከይመልኡ ከም ዝኸዱ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ  ገሊፁ፣