Monday, October 28, 2013

ነበርቲ ወረዳ እንደርታ ቑሸታት እግሪ ሓሬባን እምባ ፍቓዱን ብዕሱባት ካድረታት እቲ ስርዓት ኣይንማሓደርን ብምባሎም። መንግስታዊ ኣገልግሎታት ተሓሪምዎም ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣




እቶም ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ እንደርታ ቁሸታት እግሪ ሓሬባን እምባ ፍቓዱን ዝርከቡ ነበርቲ። ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ 2005 ዓ.ም ብግዕዙያት ኣመሓደርቲ ዞባን ወረዳን ዝበፅሖም ግፍዕታት እርማት ክግበረሉ ደጋጊሚም ሓቲቶም ሰማዒ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ካብ’ቲ እዋን ኣትሒዞም ዝመርሓና ባዕልና ንምርፅ እምበር ዝኾነ ይኹን ተሸይሙ ዝመፅእ በዓል ስልጣን እቲ ስርዓት ኣይንቕበልን ብባምሎም ኩሉ መንግስታዊ ኣገልግሎት ተነፊግዎም ከም ዘሎ ካብ’ቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣
 እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ። ነባራይ ህዝቢ እተን ቁሸታት ባዕሉ ኣሚኑ ብዝመረፆም ሰባት ብምምሕዳሩ ሕጉስ እኳ እንተኾነ። ኣብቲ ከባቢ ሰብ ዉልቀ ሃፍቲ ቤት ትምህርቲ ይኹን ፋርማሲ/ሕክምና ክኸፍቱ በቲ ስርዓት ሰለ ዘይተፈቐደሎም። ዝሓመመ ሰብ ብፍለይ ከዓ ኣዴታትን ህፃናትን ብጉልበት ተፀይሮም ክሳብ ናብ ኲሓን መቐለን ዝበፅሑ ንሞትን ስቓይን ይቃልዑ ከም ዘለዉን
ተምሃሮ ደቆም እንተኾኑ‘ዉን ናብ ኵሓን ካልኦት ከተማታትን ከይዶም ክማሃሩ ይግደዱ ብምህላዎም። ብእግሮም ተጓዕዞም ወይ ኣብ ከተማ ገዛ ተኻርዮም ክመሃሩ ዓቕሚ ዘይብሎም ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም ቆልዑ ትምህርቶም ኣቋሪፆም ክማህርሉ ዝግብኦም ዕድመ ይባኽን ከም አሎ ኣረዲኡ፣