Thursday, October 3, 2013

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ወያነ ገንዘብ ህዝቢ የጠፋፍኡ ምህላዎም ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣



ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ ኣማሓዳሪ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ኪዱ ገብረፃድቕ  ዝተበሃለ መጋበርያ መራሕቲ ስርዓት ወያነ  ኣብቲ ወረዳ ንዝደኸምት ጣብያ ሞዴል ከም ዝኾነት ኣምሲሉ ምስቲ ናይታ ጣብያ ኣቦ ወንበር ተመሻጥሮም  ብ6 መስከረም 2006 ዓ/ም 15 ሽሕ ብር  ክትሽለም ብምግባር ተመሊሱ ነቲ ሽልማት ገንዘብ ምስቲ ናይታ ጣብያ ኣማሓዳሪ ኮይኖም ከም ዝበልዕዎ ነበርቲ ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣

     በቲ ዘሓላፍነታዊ ኣሰራርሓ ሽሞኛታት እቲ ወረዳ ዝነደሩ ነበርቲ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም።  ነቲ ኣማሓዳሪ ስልጣኑ ተጠቕሙ ዝፈፀሞ ግዕዝይና ዝወለዶ ኣድልዎን ምጥፍፋእ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ብሕጊ ፍርዱ ንኽረክብ ዝኸሰስዎ ኮይኖም። ይኹን እምበር ነቲ ብሰራሕተኛታት ናይቲ ወረዳ ዝቐረበ ክሲ ዝተቐበሉ ፖሊስ፤ ዓቃቢ ሕግን ዳያኑን ፀግዒ ናይቲ ክሱስ ብምዃን። እቲ ኣመሓዳሪ ብዝቐረበሉ ሕጋዊ ክሲ ገበነኛ ኮይኑ ከይርከብ ዝከኣሎም ምትዕንቓፍን ምጉታትን ይገብሩ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣