Thursday, October 3, 2013

ኣብ ከተማ ሰለኽለኻ ተቓወምቲ ውድብ ሓድነትን ቅንጅትን ብሓባር ብምዃን መቃለሲ ዕላምኦም ምስ ነባሪ ህዝቢ ተራኺቦም ዕውት ጎስጓስ ከም ዘካየዱ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ስሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ መደባይ ዛና   ከተማ ስለኽለኻ ብውድብ  ሓድነትን ቅንጅትን ዝተኻየደ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ዕውት ምንባሩ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ነበርቲ እታ ከተማ ብወገኖም ክሳብ ሎሚ ዘይምምፃእኹም ደንጒኹም ዝብል ኣውንታዊ ምላሽ ዝሃቦም ኮይኑ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ጎስጓስ ድማ  ነበርቲ ነቶም ኣኼባ ክመርሑ ዝወዓሉ ኣመራርሓ ተቓወምቲ ውድብ ናብ ለካቲት ሆቴል ወሲዶም ናይ እንኳዕ ድሓን መፃኩም ግብዣ ከም ዝጋበዝዎም ተፈሊጡ፣

     ነባራይ ህዝቢ ከተማ ሰለኽለኻ ብሰበ ስልጣን ወያነ ክበፅሖም ዝፀንሐን ዘሎ ጥልመት ዝወለዶ ግፍዕታት ልዕሊ ዓቕሞም ኮይኑ ብምፅንሑ። ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቕሞም ዝመፀ ይምፃእ ብምባል ኣንፃር ስርዓት ወያነ ዝዓለመ መደረ ከም ዘስምዑን ኣብ ቀፃሊ እንተኾነ’ዉን ምእንቲ ናይ ባዕሎም ረብሓ ክብሉ ኣብ ጎኒ ተቓወምቲ ውድባት ኮይኖም  ክቃለሱ ድልዋት ምዃኖም ቃል ከም ዝኣተዉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣

  ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ ወያነ ኮይኑ ኣንፃር ፋሽሽቲ ስርዓት ደርጊ ን17 ዓመታት ገጢሙ ክዕወት ዋላ’ኳ እንተኸኣለ። ተረባሓይ ግን ህዝቢ ዘይኮነስ ውሑዳት ሰበ ስልጣን ናይቲ ስርዓት ጥራሕ ብምዃኖም ዳግም ተቓሊስናን ነቲ ስርዓት ኣውዲቕናን  ህዝባዊ መንግስቲ ንምትካል ድልዋት ኢና  ክብሉ ምግላፆም ካብ ከተማ ሰለኽለኻ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣