Saturday, November 9, 2013

ነበርቲ ወረዳ ሰቖጣ ምስ ኣታዊና ዘይሳነ ግብሪ ክንከፍል ተገዲድና ክብሉ ብ25 ጥቅምቲ 2006 ዓ/ም ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ መረረቶም ኣስሚዖም።




ኣብ ክልል ኣምሓራ  ንነበርቲ  ወረዳ ሰቖጣ  ብሽም ፅሬት ተባሂሉ ብኣማሓደርቲ እቲ ወረዳ ኣኼባ ዝተገብረሎም እንትኾን። ኣኼበተኛታት በብተራ እናተልዓሉ ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳብ።  መንግስቲ ውሽጣዊ ትሕዝቶ ኣታዊታትና እንክይፈለጠ ልዕሊ ዓቕምና ዝኾነ ግብሪ ክንከፍል የገድደና ኣሎ ክብሉ መረረቶም ከም ዘስምዑ ካብ’ቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣

 ካብቶም ልዕሊ ዓቕሞም ግብሪ ክኽፍሉ ዝተገደዱ ሓንቲ ወ/ሮ ኩሕሎ ባህታ ከም ዝኾና ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ንሰን ኣብቲ መድረኽ “ትሕዝቶይ ዘይምጥኖ 77 ሽሕ ብር ግብሪ  ክፈሊ ምስተብሃልኩ ንህይወተይ ሰጊኤ ዝነበረኒ ንብረትን ገዛይን ሸይጠ ከፊሎዮ።  ድሕሪ ሕዚ ዝኾነ ይኹን ንመንቀሳቐሲ ዝኸወን ገንዘብ ሰለ ዘይብለይ ዕለታዊ መግቢ ክረክብ ክብል  ከይፈተኹ ናብ ልመና ይኣቱ ኣለኹ ክብላ ብሓዘንን ሕርቅኒን ከም ተዛረባ  ተፈሊጡ።

    ብሓፈሻ ኩሉ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈ ነበራይ እቲ ብሽም ግብሪ ኣመኽኒኻ ህዝቢ ልዕሊ ዓቕሙ ግበሪ ክኸፍል ምግዳድ ተግባር ናይ ሓደ ህዝቢ የማሓድር ኣለኹ ዝብል ስርዓት ዘይኮነ ብሽፍትነት ዝተሰነየ  መንግስታዊ ክትራን እዩ ክብሉ ምግላፆም እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ የረድእ፣