Saturday, November 9, 2013

ህዝቢ ዋግ ክምራ ጉቦን ወገንነትን ነጊሱ ሕጋዊ ፍትሒ ብምስኣኑ። ኣብ ልዕሊ ሽሞኛታት እቲ ስርዓት ቀፃሊ ስጉምቲ ክወስድ ይግደድ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣




ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ዋግ ክምራ ዝነብር ሕብረተሰብ ኣብ ልዕልኡ ንዝወርዶ በደላት ፍትሒ ንምርካብ ናብ ዓቃቢ ሕጊ፤ ፖሊስን ቤት ፍርዲን ኣብ ዘምራሓሉ እቶም ሽሞኛታት እቲ ስርዓት ሕጊ ንጎኒ ጎስዮም ብጉቦን ወገንን ብተደጋጋሚ ብምስርሖም ዝቃሓረ ተገልጋሊ ህዝቢ። ብ13-2-2006 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ተስፋኣለም ዝተበሃለ ዓቃቢ ሕጊ ቀፃዒ ዝኾነ ናይ ቅንፀላ ስጉምቲ ወሲዱ እኳ እንተነበረ ስዒቦም ዝመፁ ሽሞኛታት እንተኾኑ’ዉን ካብኡ ክመሃሩ ከም ዘይከኣሉ ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ የረድእ።

ወገሐ ፀብሐ እናተቐያየሩ ብዝመፁ ስነ ምግባር ዝጎደሎም ሽመኛታት ነባሪ ህዝቢ ዋግ ክምራ ብስእነት ፍትሕን ግዕዙይ ምሕደራን ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት ኣሎ ዝበለ እቲ ሓበሬታ። ከም ሰዓቤኑ ከዓ ነቲ ብስጉምቲ ህዝቢ ዝተኣለየ ተስፋኣለም ቦታ ተኪኡ ንዝተመደበ ይከኣሎ መስፍን ዝተበሃለ ዓቃቢ ሕጊ። ህዝቢ ካብዚ ዝኸፍእ እንታይ ኣሎ ብደዉካ ሞት ብምባል ብ24 ጥቅምቲ 20006 ዓ.ም ዕጫ እቶም ዝሓለፉ ክበፅሖ ምዃኑ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ብግልፂ ከም ዘፍለጥዎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።