እቶም መናእሰይ ብ24 ጥቅምቲ 2006
ናብ ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዘቕረብዎ ዝርዝር ትሕዝቶ ጥርዓን “ስደት ምኻድ ደው ክብል እንድሕር
ኮይኑ ከም ደቂ ሃገር መሰልና ተሓልዩ ሰሪሕና ኣብ ሃገርና ክንነብር ንሕርሻን መሰርሒ ገዛን ዝዉዕል መሬት
ይወሃበና፤ ዝብል’ኳ እንተነበር እዚ ብተደጋጋሚ ዘቕረብዎ ጥርዓን እዋናዊ ምላሽ ክረኽብሉ ከም ዘይከኣሉ ተገሊፁ፣
በቲ ኣሉታዊ መልሲ እቲ ምምሕዳር ዝነደሩ መንእስያት ብዓውታ ካድረታት
ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ በጀካ ንወልቃዊ ጥቕምኹም እንተዘይኮይኑ ንሃገርን ህዝቢ ዘይትሓስቡ ሱሱዓት መራሕቲ ኢኹም ክብሉ ብምረት
ድሕሪ ምግላፅ። መሬትና ንወልቀ ሃፍታማት እናሸጥኩም ጁባኹም
ተሕብጥሉ ኣለኹም ንሕና ግና ምስ ሃፍታም መሬትና ሃገርና ብፀገም መነባብሮ ፎቖዶ ሰደት ክንጠፍእ ግዳይ
ሞትን ስቃያትን ንኾን ኣለና ክብሉ ኣብቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ከም ዝገለፁ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።