Friday, November 1, 2013

ኣብ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ ቋራ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ገንዘብ ህዝቢ የጠፋፍኡ ከም ዘለዉ ካብቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣




ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ ቋራ ዝርከቡ ኣማሓዳርቲ ንልምዓት ተባሂሉ ካብ ህዝቢ ዝተዋፀአ ገንዝብ ኣብ ውልቃዊ መነባብሮኦም የውዕልዎ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ብፍላይ ከዓ ዋና ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣለም ቡሬ ዝተብሃለ ካብ ህዝቢ ብዝተወፀአ ገንዘብ ዝተዓደገ መሳርሒ ህንፃ ስልጣኑ ተጠቒሙ ንመንበሪ ገዝኡ መስርሒ ከም ዘዉዓሎ ተገሊፁ፣

    ብግዕዝይና ዝጠልቀየ ዋና ኣማሓዳሪ ኣለም ቡሬ  እቲ ወሪርዎ ዘሎ ብልዕሊ ብኣማኢት ኣሽሓት ብር  ዝተገዝኣ ቆርቆሮ፤ ሰሚንቶ፤ ቴንዲኖን ካልኦትን ዝርከቦ ንብረት ህዝቢ። ከም ዝሰረቖ ዝፈለጡ ነበርቲ ብ 9 ጥቅምቲ  2006 ዓ/ም  ኣብ ቤት ፍርዲ ከሲሶም ከእስርዎ ዋላኳ እንተኻኣሉ። ጉቦን ሸፍነለይ ክሽፍነልካን ብዝዓይነይቱ ኣካይዳ ድሕሪ ሰለሰተ መዓልቲ ከም ዝተፈተሐ ካብ ነበርቲ ወረዳ ቋራ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
 ዝተዓዘቡ ነበርቲ ስለ ምንታይ ተፈቲሑ ዝብል ሕቶ ኣብ ዘቕረብሉ። ስራሕ ቤት ፍርዲ እዩ ብምባል ክሽፍንዎ እኳ እንተፈተኑ ይኹን እምበር እቲ ዝፈተሖ ዳኛ ፈታዊኡን መባልዕትን መሳትን ከም ዝነበሩ ድሮ በፅሖም መዘራረቢ ርእሲ ኮይኑ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣

    እቲ ብገንዘብ ህዝቢ ከላግፅ ዝፀነሕ ዕሉል ካድረ እቲ ስርዓት ካብቲ ንዓመታት ክፍፅሞ ዝፀንሐ ከቢድ ገበን ከይሕተት ኣብ’ታ ወረዳ ዘሎ ደኛ ብጉቦን ዓርከይ ዓርከይን  ነፃ ምሰለቕቖ  ክብንይ ክብ ህዝቢ  ዳግም ሕቶ ከይለዓል  ብምስጋእ ነታ ዝረኸባ ኣጋጣሚ ተጠቕሙ ካብቲ ከባቢ ከም ተሰወረ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣