ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ከተማ ውቕሮ ዝርከቡ ኣባላት ተቓወምቲ ውድብ ዓረና ብካድረታት ህወሓት ግፍዕታት ይበፅሖም
ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ። ዓረና ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ህዝቢ ከይኣቱ ካድረታት ህወሓት/ማሌሊት ዝህውትትሉ ኣብ ዝነበሩ ንመምህር ይልማ ይኩኖ ዝተበሃለ ኣባል ዓረና መነንት ወረቐት ኣብ ዝሓተትሉ ኣይሓዝኩዎን ስለ ዝበለ ጥራሕ “ጨጉሪ ለወጥ”
ብዝብል ኣመኽንዮም ከም ዝቐጥቐጥዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ። እቶም ካድረታት ህወሓት/ማሌሊት ንመምህር ይልማ
ይኩኖ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ገዛ ንበይኑ ዓፅዮም ግፍዓዊ ብዝኾነ ኣገባብ ኣመራምራ ብኤሌክትሪክ ቶርቸር ግፍዕታት ኣብ ሙሉእ
ሰውነቱ ከም ዝፈፀምሉ ኣረዲኡ፣
መምህር ይልማ ይኩኖ ኣብ ማይ ጨው ብሞያ መምርነት ዝሰርሕ ምዃኑ ዝገለፀ
እቲ ሓበሬታ። ካድረታት ህወሓት-ኢህወዴግ ነቲ ኣብ ከተማ ውቕሮ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ዓረና ንምዕፃው ምእንታን ክጥዕሞም ካድረታትን ኣባላት
ፀጥታ እቲ ስርዓት ነቲ ዋና ገዛ ኣፈራሪሖም ውፁለይ ክብሎም ብምግባር ነቲ ቤት ፅሕፈት ክዕፆ ከም ዝገበሩ ምንጭታትና ኣብ’ቲ ከባቢ
ካብ ዝረኸብዎ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ኣረዲኦም፣
ብተወሳኺ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ ኣብ ቀበሌ
01 ከባቢ መሕረዲ ስጋ /ቀይራ/ ዝርከብ መንበሪ ገዛውቲ። ብትእዛዝ ኣማሓደርቲ እታ ከተማ ይፈርስ ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ።
እቲ ገዛውቲ ናይ ምፍራስ ተግባር ድማ ናብ ቀበሌታት 02ን 04ን
ክቕፅል ምዃኑ በቶም ኣማሓደርቲ ከም ዝተዘርበ ነበርቲ ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ
መሰረት ብምግባር ምጭታትና ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም፣