ብፈደራል
ፖሊስ ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ 10 ሕዳር 2006 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከተማ ፍኖተ ሰላም ግፍዕታት ይፍፀም ምህላዉ ዝገለፀ
እቲ ሓበሬታ። ከም ውፅኢቱ ድማ ሰራሕተኛታት መንግስትን ነጋዶን ዝርከብዎም
ነበርቲ ናብ ዕለታዊ ስርሖም ብሰላም ወፊሮም ብሰላም ክምለሱ ከም ዘይከኣሉን ኣብ ከቢድ ስግኣት ምውዳቖምን ገሊፁ፣
እቶም ክሳብ ኣፍንጫኦም ዝተዓጠቑ ፈደራል ፖሊስ ህወሓት-ኢህወዴግ ብፍላይ ካብ ሰዓት 12 ምሸት ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ ቆልዓ ሰበይቲ ኣብ ዝርከብዎ መንበሪ ገዛውቲ እናዞሩ። ኣብ
ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈላልየ ምንቅስቓስ ብምርኣይ ኣብ ምፍርራሕን ምሽባርን
ስራሕቲ ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ካብ’ታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ። ነበርቲ እታ ከተማ
ብዕጡቛት እቲ ስርዓት ብዝበፅሖም ዘሎ ተግባራት ሽበራ ደው ንኽብል ናብ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ፌዴራል ዘቕረብዎ ጥርዓን ውፅኢት ከም ዘይረኸብሉ
ንምንጭታትና ገሊፆም፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ዝርከቡ
ነበርቲ ብሰንኪ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ፀገም ከም ዝርከቡ ካብ’ቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣
ካብ ክልል ኣምሓራ ከይወፃእና ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ኣብ ወረዳ ጋይንት ዝርከቡ 29 ቀበሌታት ማለት ኣብ ቀበሌታት 03፤05፤15፤16፤ 19ን ብልሽው
ምሕደራ ነጊሱ ካደረታትን ኣመሓደርትን ኣብ ጉቦን ግበረለይ ክገብረልካን ተዋፊሮም ኣብ ውልቃዊ ረብሓኦም ከም ዝጠሓሉ
ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ህዝቢ ፍትሒ ሲኢኑ መረረቱ በብደረጅኡ እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ናብ ዝምልከቶም ኣቕሪቡ
ለዉጢ ምስ ሰኣነሉ። ክሳብ ናብ ሓላፊ እታ ወረዳ ኣይተ ተስፋየ ደረስ ጥርዓኖም ዋላ’ኳ እንተቕረቡ ፍታሕ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ
ተገሊፁ፣