Sunday, November 24, 2013

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ነጋዶ ዝሓዝዎ ንብረት ዝዓደግሉን ዝሸጥሉን ሰነድ እንተይ ኣቕረብኩም ኣይትሸጡን ዝብል ሃንደበታዊ ትእዛዝ ከም ዝተዋቦም ተሓቢሩ፣



ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ሕዞም ዝተፈላለዩ ንግዳዊ ትካላት ከፊቶም ኣብ ምስራሕ ዝርከቡ ነጋዶ። ካብቲ ክኽተልዎ ዝፀንሑ መስርሕ ንግዲ ብዝተፈለየ ዝኾነ ንብረት ክሸጡ እንተኾይኖም ኣቐዲሞም ዝዓደግሉን ዝሸጥሉን ሰነድ ከይሓዙ ክሸጡ ከም ዘይብሎም ብኣመሓደርቲ ከተማ መቐለ ዝወረደ ሃንደበታዊ ትእዛዝን ኣተገባብርኡን ዘይነፀረሎም ገለ ወገናት በቲ ልሙድ ክሸጡ ተረኺቦም ተባሂሎም ትካላቶም ተዓሺጉ ከም ዘሎ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እቶም ንግዲ ትካላቶም ብትእዛዝ ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ዝተዓሸጎም ነጋዶ ካብ ዕለታዊ ስርሖም በዂሮም መነባብርኦም ንምምራሕ ተፀጊሞም ዝርከቡ ኮይኖም። እቲ ዘይሓላፍነታዊ ስጉምቲ ናብ ካልኦት ነጋዶ ክቕፅል ከም ዝኽእል ዝተረድኡ ነጋዶ እታ ከተማ ተቓዉምኦም ብምግላፆም። ኣይተ ሙሉ ግደይን ኣብርሃ ሓጎሰን ዝበሃሉ  ነጋዶ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ነጋዶ ኣብ ቀበሌ 20 ብተለምዶ እንዳሚካኤል ኣብ ዝተበሃለ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣