እቶም መምህራን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ መሃይኦም ከይቑረፆም ብምቅዋሞም ዋላ’ኳ ተተሰገረ ኣብ ቀፃሊ ናይ ወርሒ ሕዳር 2006 ዓ/ም መሃይኦም ይፍቐዱ ኣይፍቀዱ ክቑረፅ
ከም ዝኾነ ምስ ተነገሮም። ከይበላዕኻ ምስራሕ ስለ ዘይከኣል መንግስታዊ ስራሕ መምህርነቶም ጠጠዉ ኣቢሎም በብግዝኡ እናተኸፈሎም
ህይወቶምን ህይወት ስድርኦምን ዝመርሕሉ ስራሕ ክንደሊ ኢና ብምባሎም ዝሰንበዱ ኮራኹር እቲ ስርዓት ዝኾኑ ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ
ኣቶ መለስ ኣድነዉን ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ኣቶ ጴጥሮስን ዝተበሃሉ ኣብዚ ቅንያት ነቶም መማህራን ኣኪቦም ብታህዲድ ኣፈራርሖም
ዝኾነ ተቓዉሞ ዘሰምዕ ቃል ክለዓል ከምዘይብሉ ብምዝራብ ነቲ መድረኽ ከም ዝዓፀዉዎም እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ካብ’ታ ወረዳ
ከይወፃእና። ዝኾነ ነባሪ ሰብ ገዛ ክሸጥን ክዕድግን እንተኾይኑ ሰለስተ ሚኢታዊ (3%) ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ክገብር
ዘገድድ ትእዛዝ ስለ ዝወረደ። በዚ ዝተቖጠዐ ነባራይ ወረዳ ቃጮቢራ ተቓውምኡ ይገልፅ እኳ እንተሎ። ስበ ስልጣን እታ ወረዳ ግና
ኣብ ክንዲ ግቡእ ምላሽ ምሃብ እናፋራርሑ የጋፍዕዎም ከም ዘለዉ ካብ’ቲ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ፣