ኣብ ዞባ
ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ሸራሮ ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጠን ግብሪ ክኸፍሉ ይግደዱ ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። በዚ ዘንፀርፀረ ህዝቢ ድማ ከም’ዚ ኢልና ክነብር
ሰለ ዘይንኽእል ተሰዲድና እንነብረሉ ቦታ ስደዱና ብምባል ኣብ ልዕሊ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዘለዎ ፅልኣት ኣብ ምግላፅ ከም
ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እቲ ካብ 18 ጥቅምቲ 2006 ዓ/ም ኣትሒዙ ብትእዛዝ ሰበ ስልጣን
ወያነ-ኢህወዴግ ዳግም ተጀሚሩ ዘሎ ምኽፋል ግብሪ። ንቡዙሓት ነበርቲ እታ ከተማ ዘሸቑረረን ትካላቶም ዓፅዮም ክስደዱ ዘገድድ
ኩነታት ኮይኑ ብምህላዉ። በቶም ካድረታት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ነበርቲ “ከምዚ ኢልና ኣብዚ ቦታ ክነብር ኣይንኽእልን ሰሪሕና
ናብ ንበልዓሉ ዓዲ ስዶዱና” ክብሉ ብምረት ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ። እቲ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣
እዚ
ከምዚ ኢሉ እናሃለወ። ኣብ ወረዳታት ከተማ ሸራሮን ትሕታይ ኣድያቦን ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ደንቢ ክዳንን ጫማን ወዲእና ኢሎም
ካብ ዝሓቱ ነዊሕ ግዜ ዘቑፀሩ እኳ እንተኾኑ። ክሳብ ሕዚ ክምለሰሎም ብዘይምኽኣሉ ዝተወደአ ክዳንን ሸበጥ ጫማን መሊሶም ናብ
ስራሕ ቦታ ክኣትዉ ግድነት ኮይንዎም ኣሎ፣ ከም ዉፅኢቱ ከዓ እቶም ኣባላት ፖሊስ ብመሰረት ደንቢ ፖሊስ ዝብሎ ኣብ ዓመት ክልተ
ግዜ እንድሕር ዘይማለአልና ኮይኑ ስራሕና ደው ከነብል ኢና” እናበሉ ይዛረቡ ከም ዘለዉን ምስቶም ፖላዊስ ቅርበት ካብ ዘለዎም
ወገናት ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣
ብተመሳሳሊ
ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ክልል ትግራይ ተመዲቦም ዝሰርሑ ኣባላት ፖሊስ። መንግስቲ ደንቢ ክዳን ብእዋኑ ከቕርበሎም ብዘይምኽኣሉ
ናይ ሲቪል ክዳን ተኸዲኖም ናብ ስራሕ ቦታ ኣብ ዝኣትዉሉ ደንቢ ክዳን ዘይማላእኹም ተባሂሎም ይቕፅዑ ከም ዘለዉ ኣብ ናይ
ዝሓለፈ እዋናት ዝፈነናዮ ዜና ገሊፅና ምንባርና ይዝከር፣