Sunday, November 3, 2013

መራሕቲ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ ዓቕሊ ፅበት ዝወለዶ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤት ተጋደልቲ ዴምህት። ብዕራይ ወለደ ዝዓይነቱ ወረ ኣብ ምንዛሕ ተፀሚዱ ከም ዘሎ ምንጭታትና ሓቢሮም፣




ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ኢሮብ ንዝነብሩ ስድራ ተጋደልቲ ዴ.ም.ህ.ት ደቅኹም ሞይቶም እናበሉ ካደረታትን ንከብዶም ዝሓድሩ ዕሱባት እቲ ስርዓትን መሰረት ዘይብሉ ወረታት ኣብ ምንዛሕ ከም ዘለው ዝሓበሩ ምንጭታትና ካብቶም ሞይቶም ካብ ዝተባህሉ ሓደ ተጋዳላይ ብስራት ፃዕዱ ኮይኑ። ወለድን ኣሕዋትን እቶም ብህይወት እናሃለዉ ደቅኹም ሞይቶም ተባሂሎም ዝተነገሮም ስድራ ተጋደልቲ ዴ.ም.ህ.ት ኣብ ዝበኽይሉን ኣብ ዝሓዝንሉን ድማ ንሕና ብምማቶም ክንሕጎስ እንከለና ምሳና ክትሕጎሱ ደኣ ኣለኩም’ምበር ፀረ-ልምዓትን ኣሸበርትን ሞይቶም ኢሉኩም ክትሓዝኑን ክትበኽዩን ኣይግባእን እናበሉ ይኣስርዎምን የበሳብስዎምን ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ወሲኾም ኣረዲኦም፣
ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ምክያድ ዝርከብ ዉድብ ዴምህት ብኹሉ መለክዕታት ካብ እዋን ናብ እዋን ፀብለል እናበል ብምምፅኡ ዘጨነቖም  መራሕቲ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ። ሓይሊ ሰብ ዴ.ም.ህ.ት ንምድኻም ትሕቲ 14-18 ዝዕድምኦም ቆልዑ ገንዝብ ክንህበኩም ንምንቅስቓስ ስድራ ተጋደልቲ ዴ.ም.ህ.ት እናተከታተልኩም ክትሕብሩና እናበሉ ብሓይሊ ገንዘብ ከታልልዎም ይፍትኑ እኳ እንተሃለው እቲ እከይ ተግባሮም በቶም መንእስያት  ተቐባልነት ከም ዝስኣኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
 እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ምስ ዴምህት ርከብ ኣለኩም ተባሂሎም ካብ ዝተኣሰሩ ጓሰት ሓይሽ ማሳ፤ በሪሆም ምስግና፤ ኣበበ ዝግታን ዝተበሃሉ ከም ዝርከብዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ከምኡ’ዉን ኣብታ ወረዳ ከባቢ ዓዉዳ ዘለዉ ተማሃሮ ብወተሃደራት እቲ ስርዓት ናብ ቤት ትምህርቶም ክኸዱን ክምለሱን ናበይ ደሊኹም? ኣበይ ፀኒሕኹም? ኣበይ ኣምሲኹም? ምስ ዴ.ም.ህ.ት ዲኹም ትራኸቡ ዘለኹም ዝብል ምስምስ ፈጢሮም ብምእሳር ኣብ ዝዛሓለ ማይ ክጠልቁ ብምግባር ዘይወዓልዎ ገበን ተገዲዶም ክዛረቡ ይገብሩ ከም ዘለዉ ነቲ ተግባር ዝፈልጡ ምንጭታትና ኣረዲኦም፣
ብተወሳኺ ደቂ ኣንስትዮ ንስራሕ ኣብ ዝወፃሉ ኣጋጣሚ ብወታሃደራት ተዓሚፀን መድሓኒት ንዘይብሉ ሕማም ኤች ኣይቪ ይቃልዓን ኣብኡ ዘይፍለጥ ህፃን ይወልዳ ከም ዘለዋን። ንሲቪል ነባሪ ህዝቢ ብሽም ረድኤት ንምልሻ ድማ ወርሓዊ ገንዘብ ኽፈለኩም እዩ ብምባል ነቲ ፈንፊንዎም ዝፀንሐ ህዝቢ ከታሊልዎ ፃዕሪታት ኣብ ምክያድ ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣