ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ እቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ፉሉይ ሽሙ
ኣልመሽ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዝርከበ ፋብሪካ ሽኮር ጣና በለስ ኣብ ዝተብሃለ መዓልታዊ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ዝሰርሕሉ መሃያኦም።
ንሶም ብዘይኣመንሉን ብዘይፈልጥዎ መንገዲ ይቑረፅ ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ።
እቶም ሰራሕተኛታት ነዚ ኩነታት መፍትሒ ንኽግበረሉ ንዝምልከቶም በዓል ስልጣን ጥርዓኖም የቕርቡ ከምዘለው ተፈሊጡ
ኣሎ፣
ኣብ ርእሲ እዙይ እዞም ኣብ’ቲ ሽኮር ፋብሪካ
ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብስንኪ በቲ ከባቢ ዘላ ናይ ሕክምና
ኣገልግሎት መውሃቢ ግቡእ ኣገልግሎት ስለዘይትህብ ብለበዳ ብሕማም ዓሶ ዝሞቱ ሰራሕተኛታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ቁፅሮም እናዛየደ ይኸይድ ብምህላው፤ ነዚ ፍታሕ
ንምርካብ ብተደጋጋሚ ንዝምልከቶም ሓላፊ ንኣይተ ኣይናዲስ ጥርዓኖም እንተቕረቡ እኳ ክሳብ ሕዚ ግቡእ መልሲ ከም ዘይረኸቡ እቲ ሓበሬታ
ወሲኹ ኣፍሊጡ፣