Sunday, November 24, 2013

መራሕቲ ህወሓት-ኢህዴግ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፍኖተ-ሰላም ንዝርከቡ እሱራት ኣኼባ ብምግባር ኣብ ዉሽጢኹም ኣሸበርቲ ኣለዉ ኣዉፅእዎም እናበሉ የፈራርሕዎም ከም ዘለዉ ምንጭታትና ገሊፆም፣



ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ፍኖተ ሰላም ተኣሲሮም ዝርከቡ እሱራት ብሓለፍቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝተኣሰረሉ ጉዳይ ወፃኢ ኣብ ዉሽጥኹም ኣሸበርቲ ከም ዘለዉ በፂሕናዮ ኣለና ነዚ ምስ መንግስቲ ተሓባብርኩም እንተዘይ ኣዉፂእኹሞም ግና ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ኩሉ ክተረኽብዎ ዝግባኣኩም ረብሓ ክንዓፅዎ ኢና ብምባል። ካብቲ ዝነበረ ኣተሓሕዛ ብዝተፈለየ ምስ ቤተ-ሰቦም ከይራኸቡ ብምግባር ቀፊዶም ሒዘሞም ከም ዘለዉ ንግዱሳት ኣባላት ፖሊስ እቲ ቤት ማእሰርቲ መሰረት ገይሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣

ብፍላይ ከዓ ቤተሰብ እቶም እሱራት ዕለታዊ ምግብን ቅያር ክዳንን ናብ’ቶም እሱራት ሕዞም ኣብ ዝኸድሉ። ሓላፍቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ በሪ ንጎሆን ምሸትን ጠጠዉ ኢሎም ዘምፅእዎን ሕዞሞ ዝምለሱን ብደቂቕ ክከታተልዎም ድሕሪ ምፅናሕ። ሕዚ ግና ጠቕሊሎም ዘምፅእዎ ምግቢ ንፖሊስ ኣረኪቦም ንገዝኦም ክምለሱ ብምግባር። ዝምለስ ንብረት እንተሎ’ዉን ብመንገዲ ተረኛ ፖሊስ ክረኽብዎ ይግበር ብምህላዉ። ኩነታት ህላወ እሱራት ኣሻቒልዎም ከም ዘሎን። ዝወስድዎ ዘለዉ ምግብን ካልእን ንብረትን ይበፅሖም ከም ዘሎ መረጋገፂ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ኣተሓሳስቢ ኮይንዎም ከም ዘሎ ቤተሰቦ እሱራት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣረዲኦም፣