ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ። ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝርከቡ ኣብያተ ማእሰርቲ ብስፍሓት ቀዳማይ ምዃኑ ዝንገረሉ ቤት ማእሰርቲ ሽረ-እንዳስላሰ
ኣብ ዉሽጡ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ተዳጒኖም ዝርከቡ እሱራት ኣብ
ልዕልኦም ብሰበ ስልጣ ዝወርዶም ዘሎ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣተሓሕዛን
ዘስካሕክሕ ግፍዕን ከይኣኽሎም። ንረብሓ እቲ ቤት ማእሰርቲ ክበሃል ሕጋዉነት ብዘይብሉ መንገዲ ደሞም ተቐዲሑ ይዉሰድ ከም ዘሎ
ተፈሊጡ።
ኣስዒቡ መብዛሕትኡ
እሱር ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ዘይፈልጦ ኮይኑ መዓዝ ከም ዝፍታሕ ዘይፈልጥ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ዞባታትን ተኣሲሩ ዝመፀ
መንእሰይ ዉልቃዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዓቕሊ ፅበትን ጭንቅን ከይኣኽሎ እኹል ምግቢ ኣብ ዘይብሉ መዓልታዊ ኣዚዩ ብዝተሓተ ክፍሊት
ጉልበቱ እናተመዝመዘ ኣካላቶም ኣብ ርእሲ ምምሳኖም። ደሞም ኣግባብነት ብዘይብሉ ብኣስገዳድ እናተቐደሐ ንዝተፈላለዩ ሕማማት
ይቃልዑ ከም ዘለውን እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።