ኣብ
ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ከተማ ደብረ ማርቆስ ኣብቲ ከባቢ ንዝነብር ህዝቢ ኣገልግልት ክህብ ተባሂሉ ብሃፍቲ ህዝብን
ሃገርን ዝተሰርሐ ሆስፒታል። ኣብ ዉሽጡ ብዝርከቡ ብግዕዝይና ዝጠልቀዩ ሓለፍትን ስራሕተኛታትን ክሕከም ንዝመፀ ዜጋ ኣሰራርሓ
ተከቲሎም ከገልግልዎ ብዘይምኽኣሎም መላእ ሕብረሰብ መረረቱ ክገልፅኳ እንተፀንሐ ሰማዒ
ክረክብ ብዘይምኽኣሉ እቲ ሆስፒታል ብ22 ጥቅምቲ 2006 ዓ.ም መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ከም ዝተቓፀለ ንናይ ዓይኒ
መሰኻኽር መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እቲ
ሆስፒታል ኣብ ዝተቓፀለሉ ግዜ ነባሪ ህዝቢ ደብረ ማርቆስ ነቲ ሓዊ
ከጥፍእ ዘይኮነ ተራእዩስ። እኳ ድኣ ብኣንፃሩ በብከባብኡ ተኻኺቡ እታ ህንፃ ጥራይ ዘይኮነ ክቓፀል ኔርዎ እቶም
ሓካም’ዉን እንተዝቃፀሉ ህዝቢ ሓሚሙ ካብ ምስቓይን ሰኣን ክትትል ሓካይም ሞትን ምደሓነ እናበሉ በብጉጅለ ኮይኖም ይዛረቡ
ከዝነበሩ እቲ ሓበሬታ የረድእ።