Monday, November 4, 2013

ኣብ ከተማ ጎንደር ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ፀልማት ጉልባብ ብምግባር ድንኳናት እናሰበሩ ይሰርቁ ከም ዘለዉ ምንጭታና ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም፣



ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ተዋፊሮም ድንኳናትን ካልኦት ንብረት መሸጥን መከፋፈሊን ትካላት ከፊቶም ዝሰርሑ ወገናት። ብ20 ጥቅምቲ 2006 ዓ.ም ትካላቶም ተወሪሩ ምስ ሓደረ ናብ ፖሊስ ኣብ ዝሕብርሉ። ክሰርቅዎ ዝኽእሉ ከዓ ምሉእ ምሸቱ ሓለዋ ነካይድ ኣለና እናበሉ ኣብ’ቲ ከባቢ ተፀጊዖም፦ ሰብ ክሳብ ዝወፅእ ከፃናትዉ ዘምሰዩ  ኣባላት ፖሊስ ተዘይኮይኖም ካልእ ክኸዉን ኣይኽእልን ክብሉ ከም ዘፍለጡ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣

ነዚ ስዒቡ እቶም ሓበሬታ ዝተቐበሉ ኣዘዝቲ ፖሊስ ንስኹም  ትብልዎ ዘለኹም  ትክክል ኣይኮነን፣ ፖሊስ ሓላዊ ህዝቢ እምበር ወራሪ ኣይኮነን፣ ብምባል ነቲ ሓበሬታ ምሉእ ብምሉእ ነፂጎም ነቲ ጉዕዙይ ተግባራቶም ንምሽፋን ከም ዝተጠቐምሉ ካብ’ቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

ብመሰረት ምንጭታትና ድንኳናቶም ካብ ዝተሰረቑ ግዳያት ሰብ ዋና ንምጥቃስ።
1.          ሓጂ ሓሰን ኢብራሂም ልዕሊ 90 ሽሕ ዝግመት ንብረት በቲ ዕለት ዝተሰረቐ።
2.          ኣቶ ከድር ሓቢብ ልዕሊ 150 ሽሕ ዝግመት ሸቐጣ ሸቐጥ ዝተወሰዶ
3.          ኣቶ ፀሃየ ታከለ ልዕሊ 10 ኲንታል ሽኮርን ካልኦት ሸቐጣትን
4.          ኣቶ ፋንታሁን እንዳርጌ ልዕሊ 14 ኲንታል በርበረ ከም ተሰረቐን ብፖሊስ ዝኾነ ምፅራይ ከም ዘይተገበረን ተፈሊጡ፣