ኣብ
ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ከተማ ደባርቕ ኣብ ዝርከብ ፖሊስ ጣብያ ብዘይወዓልዎ ገበን ተኣሲሮም ንነዊሕ ግዜ ክሳቐዩ ካብ
ዝፀንሑ ሰባት ሓደ ዝኾኑ ኣቶ ዳምጠዉ ማርይሁን ዝተበሃለ ወገን ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣፅዋር ተዋፍርካ ትሸይጥን ተሻይጥን ኢኻ ብዝብል ፀለመ ብዘይ ሓደ ፍርዲ ተኣስሩ ድሕሪ ምፅናሕ ብ19 ጥቅምቲ 2006 ዓ.ም ተኣሲርሉ ዝነበረ ቆርቆሮ ገዛ ቀዲዱ ብምዉፃእ ኣብ ዋርድያ ንዝነብሩ 2ተ
ኣባላት ፖሊስ ካሳሁን መኮነንን ኣሻግሬ ማስረሻን ዝተበሃሉ ብረቶም መንጢሉ ቀቲልዎም 2ተ ርእሱ ከም ዘምለጠ ካብ’ቲ ቦታ ዝበፀሓና
ሓበሬታ ኣረዲኡ፣