Sunday, November 24, 2013

ኣመሓደርቲ ወረዳ እንደርታ ንመዘርግሒ ልምዓታዊ ስራሕቲ ኢሎም ካብ ህዝቢ ዝተኣከበ ገንዘብ ኣብ ዉልቃዊ ረብሖም የዉዕልዎ ኣለዉ ክብሉ ነበርቲ ገሊፆም፣



ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ማይ-ፀዶ ቁሸት ሙነሽ ዝነብር ህዝቢ ኣብ’ታ ጣብይኦም ናብ ትርከብ ቤት ክርስትያን ፈለማ መብራህቲ ክኣትዋ። ብድሕሪኡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ሕብረተሰብ መብራህቲ ክዝርጋሓሉ ምምሕዳር ወረዳ ሓሲቡ ስለ ዘሎ ንግዝኡ ንዕኡ መጀምሪ ዝዉዕል ገንዘብ ካብ ህዝቢ ክእከብ ኣለዎ ብምባሎም። ኣብ 2004 ዓ.ም ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ሽሕ ብር ካብ ህዝቢ ኣዋፂኦም ድሕሪ ምዉሳዶም ክሳብ ሕዚ ዝኾነ ይኹን ዝተዘገርሐ መስመር መብራህቲ ንዕኡ ዝምልከት ምንቅስቓስ ከም ዘየለ ነበርቲ እታ ጣብያ ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ  መሰረት ብምግባር ምንጭታትና ሓቢሮም፣
ኣብ መወዳእታ ነበርቲ ጣብያ ማይ-ፀዶ ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብትዕግስቲ ተፀብዮም ፍታሕ ስለ ዘይረኽብሉ። ኣብ’ዚ ቅንያት ንኣማሓዳሪ እታ ጣብያ ጎይትኦም ዝተበሃለ ካድረ እቲ ስርዓት። ኣግባብ ብዘለዎ መንገዲ ሕቶ ኣቕሪበምሉ ካብ ስነ-ምግባር ወፃኢ ምላሽ ዋላ’ኳ እንተሃቦም፤ ነበርቲ በቲ ናሃቱ ታህዲድ ከይተሰናበዱ ብሓደ ድምፂ ተቓዉምኦም ብምጥንኻር “ገንዘብና ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ምስ ኮራኹሩ ኮይኑ በሊዕዎ” እናበሉ ብዓዉታ ይዛረቡ ኣብ ዘለውሉ ነዚ ሰሚዑ ፍታሕ ዝህብ በዓል ስልጣን ከም ዘይተረኸበ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ፣