Monday, November 4, 2013

ነባሪ ህዝቢ ወረዳ ፀለምቲ ሓጋይ ምድሪ መዳብርያ (ድኹዒ) ኣይንወስድን ብምባሉ ጥራሕ ይእሰር ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሮም፣




ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ፀለምቲ ጣብያ ሰቆጣ ስላሴ ብኣመሓደርቲ ወረዳን ጣብያን ዝካየድ ዘሎ  መዳበርያ ዉሰዱ ዝብል ጎስጓስ እዋኑ ዘይሓለወ ኮይኑ ስለ ዝረኸብዎ። ሓጋይ ምድሪ ኣብ ምንታይ ክነፍሲሶ ኢና ዉሰዱ ትብሉና፣ እቲ ኣብ ወቕቲ ክረምቲ ርትዓዊ ብዘይኮነ ዋጋ ዝሸጥኩምልና ከይኣክል ሕዚ እንደገና ምሻጥ ዝኣበየኩም መዳብርያ ናብ ሓረስታይ ሸይጥኩም ገንዘብ ንምእካብ ምሕሳብኩም  ዘሕዝን እዩ ብምባል ከም ዝነፀግዎ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣

ካደረታት እቲ ስርዓት ነቶም ንሓረስቶት ወረዳ ፀለምቲ ብ19 ጥቅምቲ 2006 ዓ.ም ኣኪቦም ብፀቕጢ ዝተመልኦ ሓይሊ ኣገዲዶም ክእምኑ ፈቲኖም ‘ኳ እንተነበሩ። ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝተረኸበ  ህዝቢ ብሓደ ድምፂ ዉፅኢት ኣብ ዘይብሉ ኣይተጨንቑና ኢሉ ስለ ዝተቓወሞም። በዚ ዝተቖጥዑ መራሕቲ እቲ መድረኽ። ንማሙ ኣሸናፊ፤ ኣስመረ ኣለበል፤ ወ/ሮ ሂወት ታከለን ኣፀደ ገብረመስቀልን ዝተባሃሉ ወገናት ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ፀረ-ልምዓት ኣደምትን መለዓዓልትን ብምባል ኣሲረሞም ከም ዝርከቡ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣