ስእነት ዝስተ
ፅሩይ ማይ ከተማ መቐለ ዓመታት ዘቑፀረ እኳ እንተኾነ ብዝምልከቶም ኣካላት ግቡእ ቆላሕታ ረኺቡ ዘላቒ መፍትሒ ክግበረሉ
ብዘይምኽኣሉ። መላእ ነባራይ ሕብረተሰብ ከተማ መቐለ ፅሬቱ ዘይሓለዉ ማይ ክጥቀም ብምግዳዱ ብማይ ወለድ ሕማማት ክሳቐ ዝፀንሐ
እንትኾን። ኣብዚ እዋን ግና ነቲ ብልዑል ዋጋ ክዕድጎ ዝፀንሐ ፅሬቱ ዘይሓለወ ማይ’ዉን ክረኽቦ ብዘይምኽኣሉ። ገፅ ማይ
ከይረኣየ ዝዉዕል ስድራ ከም ዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣
ነቲ ሕቶ
ብህይወት ምንባርን ዘይምንባር ኮይኑ ዘሎ ፀገም ማይ ከተማ መቐለ ንምንታይ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ቀዳምነት ሂቡ መፍትሒ
ክገብረሉ ዘይከኣለ ክብሉ ነበርቲ ብወከልቶም ኣቢሎም ብ12 ጥቅምቲ 2006 ዓ.ም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓኖም ኣብ
ዘቕረብሉ። “ንስኹም ብዛዕባ ማይ ትዛረቡ ኣለኹም ንሕና ፀገም ህዝቢ ንምፍታሕ ፅርጊያን ኮብልስቶንን ኢና ንሰርሕ ዘለና” ዝብል
ሓላፍነት ዝጎደሎ መልሲ ካብ ምምሕዳር ከተማ ከም ዝተዋሃቦም ካብቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ፣