ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ
ከተማ ሑመራ ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ኣዋሽ ባንክ ተመዲቦም ዝሰርሑ ስራሕተኛታት። ዝተፈላላዩ ሜላታት እናተጠቐሙ ገንዘብ ህዝብን
ሃገርን ኣብ ውልቃዊ ረብሓኦም ከም ዘውዕልዎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ኣብዚ ቅንያት ጥራሕ ምስ ኣመሓደርቲ ናይቲ ከባቢ ተመሻጢሮም
ክልተ ሚልዮን ብር ከጠፋፍኡ ኢድ ብኢድ ከም ዝተታሓዙ ተፈሊጡ፣
እቶም ንግዝኡ ሽሞም ዘይተገለፁ ሰራሕተኛታት። ብ17 ጥቅምቲ 2006
ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ኣዋሽ ባንክ ክልተ ሚልዮን ብር ኣዉፂኦም ኣብ ውልቃዊ ጅቦኦም ከእትውዎ ዝኸኣሉ። ምስ
ምምሕዳር ራዉያን ተመሻጥሮም ናይ ነባርነት መንነት ካርድ ብምውፃእ ካብ ሑመራ ብስራሕ ናብቲ ባንክ ዝተለኣኹ ኣምሲሎም
ዝተጨበርበረ ወረቐት ብምቕራብ ነቲ ክልተ ሚሊዮን ብር ኣውፂኦም ክጠፍኡ ኣብ ጉዕዞ እናሃለዉ ብህዝቢ ተነቒሒሎም ኣብ ቤት
ማእሰርቲ ከም ዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣
ብተወሳኺ
እዚ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣብ መላእ ሃገርና ኢትዮጵያ ብሰባስልጣንን ሽመኛታትን ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዝፍፀም ዘሎ ናይ
ሃገርን መንግስትን ሃፍቲ ጉሒልካ ምጥፋእ ዝተለመደ ናይ’ቲ ስርዓት ጉዕዙይ ምሕደራ ዝፈጠሮ ኣፀያፊ ክብሪ ሃገርን ህዝብን ዝገድፍ
መግትኢ ዘይተረኽቦ ሕማም ምዃኑ ገለ ወገናት ይዛረብሉ ምህላዎም እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣