ካብቶም
ኣብዚ ቅንያት ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዝኣተዉ ተዓለምቲ ንምጥቃስ።-
1.ገብረፃዲቕ
ብርሃነ ምራጭ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ መረብ-ለኸ ጣብያ ዓዲ ሽምብሩህ
2.ሃለቃ
መሓሪ ጉዕሽን ገብረሃወረያ ገብረሰላሰ ገ/ሚካኤልን ክልትኦም ካብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ሰማሃል
3.ገብረሃወርያ
ሓዱሽ ወ/ሚካኤል ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ
ሃፍተማርያም
4.ግደይ
ታደሰ ስዩም ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ኣሳይመ
5.ተኽላይ
ፀጋይ ገብሩ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ ወርዒ ለኸ ጣብያ
ማይ-ኩሕሊ
6.
ወለገብርኤል ገ/ኪዳን ገ/መድህን ዞባ ማእኸል ትግራይ ወርዳ መረብለኸ ጣብያ ደብረ-ሓርማዝን ካልኦት ዘይተጠቐሱን ዝርከብዎም
ኮይኖም። ንሳቶም ኣብ ገጠር ብሕርሻ ዝናበር ሓረስታይ ህዝብና ብዘይድሌቱ ምስ ትሕዝቶ መሬቱ ዘይመጣጠን መጠኑ ብዝሓለፈ ዋጋ
መዳበርያ ክወስድ ብኣመሓደርቲ ጣብያን ቁሸትን ይግደድ ከም ዘሎን። ዝረኽቦ ዉፅኢት ምህርቲ ብዝተፈላለዩ ተፈጥራኣዊ ፀገማት
ትሒቱ መኽፈሊ ኣብ ዝስእነሉ ድማ ፀገሙ ሰማዒ ስኢኑ ካብ ዘምፃኻ ኣምፂኻ ክፈሎ እናተባሃለ ብካድረታት እቲ ስርዓት ይእሰርን
ይገላታዕን ከም ዘሎ ኣረዲኦም፣
ኣብ
ቀረብ ህዝባዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ጠቕሊሉ ደኺሙ እዩ ዘሎ ዝበሉ እቶም መናእሰይ። ኣብ ሕክምና እንተርእና ብርክት ዝበሉ
ወገናት ብፍላይ ከዓ ኣዴታትን ህፃናትን ካልእ ተሪፉ ዓሶ ሓሚሞም ብቐረባ ዝፍወስሉ መድሓኒት ብዘይምህላዉ ፅሬት ዘይብሉ
መድሓኒት ንምርካብ ብእግሮም ካብ ሰለስተ ሰዓት ንላዕሊ ክጓዓዙ ንሞትን ስቓይን ይቃልዑ ኣለዉ ኢሎም፣
ኣስዒቦም
ኣብ ትምህርቲ’ዉን ዓብዪ ፀገም ምህላውን ክማሃሩ ዝግብኦም ዕድምኦም ዝኣኸሉ ቆልዑ እናተመላለሱ ክመሃርሉ ዝኽእሉ ቤት ትምህርቲ
ብቐረባ ስለ ዘይረኽቡ ክማህርሉ ዝግብኦም ግዜ ብኮንቱ ይባኽን ከም ዘሎን። ናብ ርሑቕ ተጓዕዞም ዝማሃሩ ድማ መምህራን
ብዉፅኢቶም ዘይኮኑ ዝዕቅንዎም። ንደቂ ተባዕትዮ ብምቅርራብን ግብረለይ ክገብረልካን ንደቂ ኣንስትዮ ድማ ፆታዊ ድሌቶም
ዘማልኣሎም እንተዘይ ኮይኖም። ብፍልጠቱ ተፈቲኑ ዝሓልፍ ተማህራይ ከም ዘየለ ገሊፆም፣
ብፍላይ
ገብረሃወርያ ሓዱሽን ተኽላይ ፀጋይን ህሉዉ ኩነታት መንእሰይ ሃገርና ኣብ ዝኸፈአ ናብራ ሂወት ወዲቑ ስለ ዘሎ። ሰበ ስልጣን
እቲ ስርዓት ነዚ መዝሚዞም ብዘይድሌቱ ኣታሊሎም ናብ ዉትህደርና ከም ዘእትውዎን እቲ መንእሰይ ነቲ መሰልጠኒ ብዓይኑ ምስረኣዮ
ከይወዓለ ከይሓደረ ዳርጋ ኩሉ ናብ ዓዱ ይምለስ ከም ዘሎን። እቲ
ቅድም ኢሉ ኣብ ብዉትህደርና ዝፀነሐ እንተኾነ ‘ዉን ብፍቓድ ንዓዱ ምስ ከደ
ናብ ኣሃድኡ ከም ዘይምለስ ወሲኾም ኣረዲኦም፣