Friday, November 15, 2013

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ብወልቀ ሰሪሖም ዝመሓደሩ ጋዜጠኛታትን ካሜራማናትን ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኢህወዴግ ዘቕነዐ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ተገሊፁ፣




ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እቲ ብ3 ሓዳር 2006 ዓ/ም  ኣብ ከተማ  ኣዲስ ኣበባ  ኣብ ውልቃዊ ሞያ  ጋዜጠኝነትን   ስእሊ ካሜራን  ተዋፊሮም ዝስርሑ ልዕሊ 4,700 ዝኣኽሉ ወገናት። ኣንፃር  ጉዕዙይ ምሕደራ ጉጅለ ኢህወዴግ ዝዓለመ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ዘካየዱ እንትኾኑ። የስምዕዎም ካብ ዝነበሩ ጭርሖታት ድማ “መሰል ጋዜጠኛታት ይከበር፤ ዝተኣስሩ  ጋዜጠኛታት ይፈትሑ”  ዝብሉን ካልኦትን  ዘካተተ ከም ዝነበረ  ተገሊፁ፣
      
    ኣብቲ ዝነበረ ውዕውዕ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ  ኣሽማት ተኣሲሮም ዝርከብ ጋዜጠኛታት ብብድሙቕ ፖስተራት ተፃሒፉ ኣብ የእዳዎም ሒዘሞ ከም ዝነበሩን። ካብቶም ኣስማቶም ዝተፅሕፉ ንገለ ምግላፅ። ምልዮን ኣባተ፤ መሓመድ ማዕሩፍ፤  ቢንያም ምስክር፤ ማህሌት ኣማረ    ካልኦትን ከም ዝርከብዎም እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣