Friday, November 15, 2013

ነበርቲ ወረዳ ጃዊ ዝኾኑ ዜጋታትና ዕለታዊ ስረሖም ኣቛሪፆም ብተኸታታሊ ኣብ ኣኼባ ብምፅማዶም መረረቶም የስምዑ ምህላዎም ተገሊፁ፣




ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ዝርከቡ ነበርቲ። ካብ 29 ጥቅምቲ 2006 ዓ/ም ጀሚሮም ንተኸታታሊ ን21 መዓልታት ብካድረታትን ኣማሓደርትን እቲ ስርዓት  ኣብ  ዝተፀወዐ ኣኼባ  ተፀሚዶም  ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ብሰንኩ ድማ እቶም ገባራት ምህርቶም ከይጥርንፉ    ብዘይምኽኣሎም ወቕቱ ብዘይሓለወ ዝናብን እንስሳትን ይባላሾን ይብላዕን  ከም ዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣
        ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳ ምንቅስቓስ ኣሸብርቲ ንምቁፅፃር መንቀሳቐሲ ወረቐት ዘይሓዘ ዜጋ ካብ ጣባያ ናብ ጣብያ ከይኸይድን  ኣብ ዝኾነ ከባቢ ክልተን ካብ ክልተ ንላዕልን ተጎጂሉ ክኸይድ ዝተረኸበ ዜጋ ክንኣስሮ ኢና ክብሉ ከፈራርሕዎም ዋላ’ኳ እንተፈተኑ። እቶም ተኣከብቲ  ግን ክቕበሎም ከም ዘይከኣለን። እኳ ድኣ ብኣንፃሩ ነቲ ዓመት ሙሉእ ደኺሞም ዘፍረይዎ ዝራእቲ ይበላሾ ኣሎ ክብሉ ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ዝነበረ ኣፈ-ጉባኤ ናይቲ ወረዳ ኣይተ ንጉሰ ወርቄ ሕቶ ኣቕሪቦም ንፀገሞም ክርደኣሎም ብዘይንኽኣሉ። ኣብቲ ኣኼባ ባእስን ዕግርግርን ተላዒሉ ክረዳድእሉ ኣብ ዘይኽእሉ ደረጃ በፂሖም ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ፣
  ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝርከብ ጨርቃጨርቂ ፋብሪካ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ወሰኽ መሃያ ክግበረሎም ብ15 ጥቅምቲ 2006 ዓ/ም ተቓውሞ ሰልፊ ዘካየዱ እንትኾኑ። ካብቶም ሰልፈኛታት ውሽጢ ነቶም 5 መልዓዓልትን ኣሸበርትን ተባሂሎም ብፖሊስ እቲ ከተማ ተጨውዮም ምስተ ወሰዱ ክሳብ ሕዚ ደሃይ ከም ዘይተፈለጠ ንቤተሰብ ግዳያት መሰረት ገይሩ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣