ኣብዚ ቅንያት
ብተማሃሮ ዩንቨርሲቲ ደብረ-ማርቆስ ተወሊዑ ዘሎ ተቓዉሞን ዕግርግርን ኣዚዩ ሰፊሕን ብቐሊሉ ክዕገት ከም ዘይኽእልን ዝገለፀ እቲ
ሓበሬታ። ምኽንያት መበገሲ ተቓዉሞ ድማ ኣብቲ ዩንቨርሲቲ ዝርከብ ብግዕዝይና ዝተባዕጠ ብልሹዉ ምሕደራ ብዝኽተሎ ዘሎ
ዘይሓላፍነታዉ ተግባር። ማሕበራዊ ህይወቶም ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ ብምዉዳቑ ዝምልከቶ ኣካል ቆላሕታ ሂቡ ብህፁፅ ፍታሕ ክገብረሉ
ዝጠልብ ከም ዝኾነ የረድእ፣
ኣስዒቡ እቲ
ንተምሃሮ መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ። ንማሕበራዊ ህይወት ተማሃሮ ተባሂሉ ዝምደብ ባጀት ብምምሕዳር እቲ ዩንቭርስቲ ይጠፋፋእ ስለ
ዘሎ። ዕለታዊ መነባብሮ ተማሃሮ እቲ ዩንቨርሲቲ ካብ መዓልታዊ ምግቦን መዕረፊኦምን ጀሚርካ እንተተዓዚብካዮ ኣዚዩ ትሕቱን
ዘሕፍርን ኮይኑ። እቲ ፀገም ንኽስተኻኸል ብላዕለዎት ወኪላት ተማሃሮ ብተደጋጋሚ ናብ ዝምልከቶም ተሓቢሩ ክሳብ ሕዚ ተፀቢዮም
ክመዓራረ ብዘይምኽኣሉ ሰማዒ ንምርካብ ተቓዉሞ ከካይዱ ከም ተገደዱ ገሊፁ፣
ተማሃሮ ቅድሚ
ተቓዉሞን ዕግርግርን ምልዓሎም ኣብ ሓደ ክፍሊ ክሳብ 50 ልዕልኡን ይማሃሩ ከም ዝነበሩን ድሕሪ እቲ ተቓዉሞ ግና ተማሃሮ
ንድሕንነቶም ክብሉ ነቲ ዩንቨርሲቲ ገዲፎም ፈቐዶ ጎንደር ካልኦት ከተማታትን ስለ ዝተበታተኑ ኣብ ሓደ ክፍሊ ካብ 15 ዘይበልፁ
ተማሃሮ ዝተረፉ ኮይኖም። ቀፅሪ ናይቲ ዩንቨርሲቲ ድማ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅርን ክትትል ፌዴራል ፖሊስ ኣትዩ ንነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ
ኣበይ ኔርካ ናበይ ኢኻ ብዝብሉ ሕቶታት የዋጥርዎ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳታ ኣረዲኡ፣