Thursday, December 5, 2013

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ኤክስተንሽን ብፖሎቲካዊ እምነቶም ኣብ ኣከፋፍላ መሃያ ኣድልዎ ይፈፀም ኣሎ ክብሉ ገሊፆም፣



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ። ኣብ ዞባ ኣዊ ብመንግስቲ ተመዲቦም ኣብ ሓደ ዓይነት ሞያ ዝነጥፉ ናይ ጥዕና ኤክስተንሽን ሰራሕተኛታት። ኣብ ምኽፋል መሃያ ርኡይ ኣድልዎ ይፍፀም ኣሎ ምስ በሉ። ንሱ’ዉን ንኣባልን ኮራኹርን ዉድብ ኢህወዴግ ዝኾነ ሰራሕተኛ 1,428 ብር እንትኸፈሎ እቲ ኣባልን ደጋፍን ኣይኮነን ዝተበሃለ ድማ 908 ብር ጥራሕ ይኽፈሎ ከም ዘሎ ኣረዲኦም፣
  እቲ ሓበሬታ  ወሲኹ። እቶም ኣብ ሓደ ዓይነት ሞያ ተዋፊሮም ተመሳሳሊ ኣገሎግሎት ግዜ ስራሕ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ጥዕና ይፈፅም ኣሎ ዝበልዎ ኣድልዎ ደው ንኽብል ንዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓን ምስ ኣቕረቡ። መሃያ ክትዉሰኹን ካልኦት ጥቕማጥቕምን ክትረኽቡ   እንተደሊኹም ኣባል ኢህወዴግ ምዃንኩም ኣረጋግፁ ዝብል ምላሽ ከም ዝተዋህቦም ገሊፆም፣
   ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰራሕተኛታት መሃያ ዝውሰኹም ዝተፈላለዩ ጥቕማጥቕምን ዕድላት ስልጣን ዝረኽቡ ብሞይኦምን ዓቕሞምን ዘይኮኑ ብኣባል ኢህወዴግ ምዃንን ዘይምዃንን ጥራሕ ዝተሓፅረ ከም ዝኾን ንግዳያት መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣገንዚቡ፣