Thursday, December 5, 2013

ኣብ ምዕራብ ጎጃም ዞባ ኣዊ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ መጠኑ ብዝሓለፈ መዋጮ መነባብሮና ክንመርሕ ኣይከኣልናን ክብሉ መረርቶም የስምዑ ከም ዘለዉ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ፣




እቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ። እቲ ጉልበተናን ፍልጠጥናን ዘፍሰስናሉ ወርሓዊ መሃያና ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ንዝተፈላልዩ መዋጮታት ክንከፍል የግድደና ስለ ዘሎ ኣብ ልዕልኡ። ክብሪ መናባብሮ  ተወሲኽዎ  ቤተሰብና ክነማሓድር ኣይከኣልና ክብሉ ገሊፆም ፣

 ኣስዒቡ እቲ ንግዳያት መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ። ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ንመዋጮ እናበለ ዘልዕሎም ዝፈጥሮም መቑፀሪ የብሎምን ምስ በሉ ብፍላይ ከዓ ብዘይኣመናሉ ንኣባይ ግድብ፤ ንስፖርትን ግብርን ካልኦትን   እናተብሃለ  ዳርጋ ፍርቂ ዝኣክል መሃያና  ይቁረፅ ኣሎ ክብሉ ድሕሪ ምግላፅ። ብሰንኩ ድማ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝነበረ ናብርኦም ኣጋዲድዎ ኣብ ዝኸፈአ ናብራ ህይወት ከም ዝወደቑ ኣመልኪቶም፣

    ሰበስልጣን ኢህወዴግ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝኸፍሎ ዘሎ መዋጮ  ብድሌቱ እንተዘይ ኮይኑ ዘገደዶ ኣካል የለን እናበሉ ብሚድያታት ዝዛረብዎ ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ንፖለቲካ ሃልኪ ምዃኑ ኣረዲኦም፣