ብመሰረት እቲ
ሓበሬታ። ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ብዝኽተሎ ዘሎ ዘይምዕሩይ ኣስራርሓ ንግዲ። ኣብ ዞባ ከተማ መቐለ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ
ንግዲ ስራሕቲ ተዋፊሮም ዝከርቡ ሰብ ሃፍቲ ወገሐ ፀበሐ ብዝቀያየሩ ዘይሓላፍነታዊ ኣሰራርሓ። ዕለታዊ ስራሕቶም ብሰላም
ከየሰላስሉ ብመንገዲ ኮራኹር ‘ቲ ስርዓት ብዙሕ ምድፋእን ምትዕንቓፍን ክወርዶም ዝፀነሐ እንትኾን። ኣብዚ ሕዚ ግዜ ድማ ብሽም ፋኩትር
ምኽንያት ፈጢሮም ካብ ዝሓለፈ ብዝኸፈኣ ብመደብ የሰናኽልዎም ከም ዘለዉ እቶም ግዳያት ኣረዲኦም፣
እቲ ብጀካ ኣብ ክልል
ትግራይ ኣብ ካልኦት ክልላት ዘይተኣታተወን ዘየለ ሓዱሽ ኣሰራርሓ። ዝኾነ ንግዲ ትካል ዝዉንን ሰብ መዓልታዊ ናይ ዝገዘአሉን
ዝሸጠሉ ፋኩትር ክሕዝ ኣለዎ ዝብል ኮይኑ። እዙይ ከም መምርሒ
ካብ ዝወርድ ወርሒ ዘየቑፀረ ኣሰራርሓ ንማሕበረሰብ ነጋዶ ኣብ ፀገም ኣእትይዎም ስለ ዝርከብን። ብፍሉይ ኣብ ከተማ መቐለ
ከተግብርዎ ብምሕላኖም ኣብዚ ቅንያት ልዕሊ 1000 ንግዲ ትካላት ዝተዓሸጉ እንትኾኑ። እቲ ዝኸፈአ ድማ ኣብታ ከተማ ወረዳ
ቀዳማይ ወያነ ብልሙድ ቀበሌ 13 ኣብ ሓደ ከባቢ ጥራይ ክሳብ 200 ዝኾኑ ትካላት ንግዲ ብምዕሻጎም እቶም ነጋዶ ይበፅሖም ብዘሎ ፍትሓዉነት ዝጎደሎ ኣሰራርሓ መረረቶም ኣብ ምስማዕ ከም
ዘለዉ የረድእ፣