Sunday, December 1, 2013

መንግስቲ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ ብዝኽተሎ ዘሎ ፀረ ህዝቢ ኣካድኡን ኣብ መላእ ዜጋታት ሃገርና እምነት ብምሳኑን ጭንቀት ዝወለዶ ስጉምቲ ኣብ ምዉሳድ ተፀሚዱ ከም ዝርከብ ተሓቢሩ፣



ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ከባቢታት ማይ ካድራ፤ በረኸትን ከተማ ሑመራን ካብ ሞተር ሳይክል ጀሚሮም ዝተፈላለያ ዓይነት ተሽከርከርቲ ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ወገናት። ኣብ ሕድ ሕድ ፅርጊያን ናይ ገጠር መንገድን ብዝተዋፈሩ ሓይሊታት ፀጥታን ሰራዊት ምክልኻልን። ጠጠዉ እናበሉ መለለይ መንነት ኣርእዩ እናበሉ ብምፍታሽ ካብ ስርሖም የሰናኽልዎምን የጨንቕዎምን ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ብሽም መንነት ካርድ ንሓቶም ኣለና ብዝብል ምኽንያት ተጠቕሞም ንሰብ መካይን ዓጊቶም ጠጠዉ ምስ ኣበልዎም ገንዘብ ከምዝቕበሉን ካብ ዝተፃዕነ ንብረት ብእደወነኖም ከም ዝወስዱን። ብፍላይ ከዓ ድሕሪ ፈተሻ ምክያዶም  ብዝተፈላለየ ምኽንያት መንነት ካርድ ከይሓዘ ዝፀንሖም ክንኣስረካ ኢና ክንወርሰካ ኢና ብዝብል ምፍርራሕ ዝተመልኦ ዘረባ ክፈርሕ ብምግባር ዘይተኣደነ ጉቦ ይቕበሉ ከምዘለውን ንምኽፋል ፍቓደኛ ዘይኮነ ድማ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቶም ተመሻጥሮም ብምእሳር ንካልኦት ጉቦ ክኸፍሉ መምሃሪ ይጥቀምሉ ኣለዉ ክብል ንግዳያት መሰረት ብምግባር ዝበፀሐና ሓበሬታ የረድእ።