Sunday, December 1, 2013

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ መንጎ ላዕለዎት ፈፅምቲ ኣካላት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጠረ ምፍጣጥ መዕለቢ ስለ ዘይተገብረሉ። ክሳብ ሕዚ ካብ ስርሖም ጠጠዉ ዘበሉ ኣለዉ ተባሂሉ፣



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ። ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ሚኪኤለ ኣብርሃን ሓላፊ ፀጥታ ናይ’ቲ ዞባ ኣዳነ ኣሰፋን ሓቢሮም እናሰርሑ ኣብ ዝፀንሕሉ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ረብሓታት ዝመበግሲኡ ኣብ መንጎኦም ኣፈላላይ እናተፈጥረ ዝመፀ እንትኾን። ከም መቐፀልታ ኣፈላላዮም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ጄኔሬተራት ምኽንያት ብምግባር ባዕሎም ንባዕሎም ተኻሲሶም ናብ ዝምልከቶ ኣካል ቀሪቦም ሕጋዊ መፍትሒ ከም ዘይተገብረሉ  ተፈሊጡ።
ኣብ ዉሽጢ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ከምዚ ዓይነት ጥቕሚታት ምስ ጎደለካ ምስሕሓብን ምክሳስን ልሙድ እኳ እንተኾነ። ናብ ዝምልከቶ ሕጋዊ ኣካል ቀሪቦም ግቡእ ዉሳነ ክረኽቡ ብምግባር። ነቲ ነመሓድሮ ኣለና ዝብልዎ ህዝቢ ዉፅኢቱ ብግልፂ ከፍልጡ ትብዓት ይኹን ተበግሶ ከርእዩ ብዘይምፅንሖም። ነዞም ክልተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ዞባ ሰሜን ምዕራብ‘ዉን ኣካል ስንኩል ኣካይድኦም ብምግባር። ንሚኪኤለ ኣብርሃ ካብ ዝነበሮ ቦታ ብምቕያር ኣብ ዞባ ማእኸል ዋና ኣመኣዳሪ እንተብርዎ። ንኣዳነ ኣሰፋ ድማ ካብ ስርሑ ኣጊዶም ኮፍ ኣቢሎሞ ከም ዘለዉ ካብ ዉሽጢ ቤት ፅሕፈት ዞብ ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ፣
ብተመሳሳሊ እዚ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ካድረታት ህወሓት/ማሌሊትን ሰበስልጣንን ዓመታት ዘቑፀረ ስልጣን ዝመበገሲኡ ምትፍናንን ምትንኳልን ብዝበኣሰ መልክዑ ይቕፅል ምሕላው ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ፈናወና ምዝርጋሕና ይፍለጥ።