Thursday, December 5, 2013

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ፍኖተ ሰላም ካብ 16 ሕዳር 2006 ዓ/ም ጀሚሩ ብተኸታታሊ ዝተኻየደ ኣኼባ መምህራን ተቃውሞ ከም ዝገጠሞ ተገሊፁ፣



እቲ ኣብ ኮሎጅ መምህራን ኣዳራሽ ን12 መዓልትታት ብዞባ ደረጃ ዝተኻየደ ተኸታታሊ ኣኼባ መምህራን። ብሓለፍቲ ቢሮ ትምህርቲ ዝተዳለወ ምንባሩ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ኣብ’ቲ እዋን ብመምህራን ዝተለዓሉ ሕቶታት። ብትምህርቲ ሚኒስተር ዝተፈቐደ ስኬል ወሰኽ መሃያ ስለምንታይ  ኣባና ተግባራዊ ዘይኮነ?፤ ብኣገልግሎትና መሰረት ዘይዉሰኸልና እንዘተኾይኑ ስራሕ መምህርነት ደው ክነብል ኢና ዝብሉን ካልኦት እዋናዊ ሕቶታት ኣልዒሎም ነቶም መድረኽ ዝመርሑ ዝነበሩ ከም ዘዋጠርዎም ካብ ተሳተፍቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣
     ነቲ ኣኼባ ዝመርሑ ዝነበሩ ሓለፍቲ ቢሮ ትምህርቲ ነቶም  ብመምህራን ዝቐረቡ ሕቶታት ኣድበስቢሶም ክሓልፍዎ ፈቲኖም እኳ እንተነበሩ። ግቡእ መልሲ  ብዘይምርካቦም ዝተቖጥዑ ተኣከብቲ መምህራን ብሽምና ዝተሰለዐ ባጀት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ወፃኢ እናገብርኩም ኣብ ወልቃዊ ረብሓኹም ተዉዕልዎ ስለ ዘለኹም ኢኹም ክብሉ ብሓደ ድምፂ ከም ዝተዛረቡን እቲ ኣኼባ ብዘይመዕለቢ ከም ዝተበተነን ተፈሊጡ፣